መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ነፃ፣ ተኣማንን ዲሞክራሲያውን ንክኸውን እጃም መዳርግቲ ኣካላት ወሳኒ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ነፃ፣ ተኣማንን ዲሞክራሲያውን ንክኸውን እጃም መዳርግቲ ኣካላት ወሳኒ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 16/2018 (ኢዜኣ) መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ነፃ፣ ተኣማንን ዲሞክራሲያውን ንክኸውን እጃም መዳርግቲ ኣካላት ወሳኒ ከም ዝኾነ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ምድላው መረፃ ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ 6ይ ሓፈሻዊ መረፃ ነፃ፣ ፍትሓውን ዘይሻራውን ኮይኑ ከም ዝተዛዘመን ህዝባዊ ተቐባልነት ዝረኸበ ከም ዝነበረን ኣዘኻኺሮም።
ፓርቲ ብልፅግና ዝበዝሐ ድምፂ ብምርካብ ኣብ ትሕቲ ፅላል ኢትዮጵያውነት ንተነሓናሕቲ ውድባት ሓላፍነት መንግሥቲ ብምሃብ ምችው ምህዳር ፖለቲካ ከም ዝፈጠረ እውን ኣረዲኦም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ምህዳር ፖለቲካ እውን ኣባላት ኣመራርሓ ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ኣብ ሰላም፣ ልምዓትን ዕቤትን ሃገር እጃሞም ንከበርክቱ ዕድል ከም ዝፈጠረ ሓቢሮም።
እቲ ፓርቲ ተነሓናሕቲ ውድባት ንኢትዮጵያን ህዝባን ዝጠቅም ኣማራፂ ሓሳቦም ብነፃነት ንከቕርቡ ፅኑዕ ድሌት ከም ዘለዎ ፀሪሖም።
ስለዝኾነ ድማ ተሞኩሮታት 6ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብምጥቃም 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብውፅኢታውነት ምስላጥ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከም ዝርከብ ኣፍሊጦም።
ፓርቲ ብልፅግና እውን ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት ዜጋታት ንምርግጋፅ ብዘመዝገቦም ዝጭበጡ ውፅኢታት ብህዝቢ ተመራፂ ክኸውን ዝደሊ ፓርቲ እዩ ኢሎም።
ሕጋዊ፣ ታሪኻዊ፣ ፍትሓውን መልክኣ ምድራውን ሕቶ ዋንነት በሪ ባሕሪ እውን ቀንዲ ጉዳይ ብሄራዊ ረብሓ ከም ዝኾነ ምርዳእ ከም ዝግባእ ኣረዲኦም።
ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ኩለ መዳያዊ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ኣብ ምኽባር ጠንካራ ቅዋም ክህልዎም ከም ዝግባእ እውን ኣመላኺቶም።
ብህዝቢ ተቐባልነት ዘለዎ ምንግስቲ ንምጥያሽ ዲሞክራሲያውነት እቲ መረፃ ወሳኒ እዩ ኢሎም።
ውድባት ፖለቲካ ኣማራፂ ሓሳቦም ብመራኸብቲ ሓፋሽ ናብ ህዝቢ እናቕረቡ ከም ዝኾኑ ዝገለፁ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ዜጋታት እውን ድምፂ መውሃቢ ካርዲ ክወስዱ ከም ዘለዎም ገሊፆም።
መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ እውን ሰላማዊ፣ ተኣማንን ህዝባዊ ተቐባልነት ዘለዎን ኮይኑ ንክካየድ መዳርግቲ ኣካላት እጃሞም ንክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።