ናይዚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እቲ ዝተትሓዘ ሃገራዊ ሽቶ ምስኻዕ ብዝኽእል መልክዑ ምድላው እናተገበረ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ናይዚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እቲ ዝተትሓዘ ሃገራዊ ሽቶ ምስኻዕ ብዝኽእል መልክዑ ምድላው እናተገበረ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፤ መጋቢት 16/2018(ኢዜኣ)፦ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 2018 ዓ.ም እቲ ዝተትሓዘ ሃገራዊ ሽቶ ምስኻዕ ብዘኽእል መልክዑ ውፅኢታዊ ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ መተሓበበሪ ኮሚቴ ቴክኒክ ሓምለዋይ ኣሰር ኣደፍርስ ወርቁ(ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
እቶም መተሓባበሪ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፤ ኣብዚ ዓመት ዝካየድ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር መጠቓለሊ ዓመት ፈላማይ ምዕራፍ ብምዃኑ ንምድላዋት ፍሉይ ትኹረት ተዋሂብዎ እናተሳለጠ እዩ ኢሎም፡፡
ስለዝኾነ ኣብዚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምላዋይ ኣሰር ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 7 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልስታት ንምትካል ትልሚ ተታሒዙ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው እናተሳለጡ ከም ዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተረኸቡ ተሞኩሮታት ብምውሳድ ፈልስታት ፍራምረ ምስፋሕን ቁፅሪ ዘቤታዊ ዓሌታት ምውሳኽን ከምኡ እውን ዓይነታት እፅዋት ንምስፋሕ እናተሰርሐሉ ከምዝኾነ ገሊጾም፡፡
ኣብ እዋን ሓጋይ ቦታታት መትከሊ ምፍላይ፣ኣብ ዝተፈለዩ ቦታታት ዕቀባ ሓመድን ማይን ምስላጥ፣ ምስ ኩነታት ኣየር ዝስማዕመዑ ፈልስታት ምፍላስ ከምኡ እውን ስራሕቲ ምድላው ካርታ ዝተፈለዩ ቦታታት እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም፡፡
በዚ እውን ክሳብ ሐዚ ኣብ ክልላት ንተኸላ ፈልሲ ዝውዕል 2 ነጥብ 5 ሚሊየን ሄክታር መሬት ከም ዝፈተለየ ብምግላፅ፤ ልዕሊ 110 ሽሕ ጣብያታት ፈልሲ ናብ ስራሕ ኣትዮም ፈልሲ ኣብ ምፍላስ ይርከቡ ኢሎም፡፡