ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል'ኣዲስ መሶብ' ኣብ ኩሎም ክፍለ ከተማታት ተበፃሒ ክኸውን እዩ- ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፤መጋቢት 15/2018(ኢዜኣ)፦ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል'ኣዲስ መሶብ' ክሳብ መወዳእታ ሚያዚያ 2018 ዓ.ም ኣብ ኩሎም ክፍለ ከተማታት ተበፃሒ ከም ዝኸውን ከንቲባ ምምሕዳር እቲ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡
ከንቲባ ኣዳነች ኣበቤ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል'ኣዲስ መሶብ' ጨንፈር ልደታ መሪቐን ስራሕ ኣጀሚረን፡፡ 



ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ ቅልጡፍ ኣወሃህባ ግልጋሎት ኣብ ሞንጎ ዜጋታትን መንግስትን ዘሎ ምትእምማን የጠናኽር እዩ፡፡ 
ስለዝኾነ መንግስቲ ነቲ ዓውዲ ከዘምንን ዝበለፀ ተበፃሒ ክገብርን ዝተፈላለዩ ስልትታት ብምንዳፍ ብዙሕ ፃዕርታት እናገበረ ይርከብ ኢለን፡፡ 
ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል'ኣዲስ መሶብ' ድማ ሰካብዞም ፃዕርታትን ተበግሶታትን ሓደ እዩ ኢለን፡፡
በዚ ድማ ብዙሓት ብልሹዋት ኣሰራርሓን ኣድላዪ ዘይኮኑ ምልልሳት ዓማዊልን ብምትራፍ ሱር በቆስ ለውጢ ክመፅእ ከምዘኽኣለ ኣመላኺተን፡፡ 
ኣገልግሎት እናሃቡ ዝርከቡ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸላት'ኣዲስ መሶብ' ብኽነት ገንዘብን ግዘን ዜጋታት ትርጉም ብዘለዎ መልክዑ ከምዘትረፉ ተዛሪበን፡፡ 
ቅድሚ ሐዚ ብዝተሃነፁ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸላት'ኣዲስ መሶብ' ንልዕሊ 120 ሽሕ ዜጋታት ምብፃሕ ከምዝተኽኣለ ኣመላኺተን፡፡ 
እቶም ዓማዊል ብዝሃብዎ ርእይቶ መሰረት ዕግበት ዓማዊል 98 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ እውን ተረጋጊፁ እዩ ኢለን፡፡ 
ኣብዚ ወርሒ ጥራሕ ተወሰኽቲ ሰለስተ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል'ኣዲስ መሶብ' ንምህናፅ ተሓሲቡ ናብ ተግባር ከምዝተኣተወ ዘመላኸታ እተን ከንቲባ፤ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዚያ ኣብ ኩሎም ክፍለ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል'ኣዲስ መሶብ' ተበፃሒ ከምዝኸውን ገሊፀን፡፡ 
ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ሓላፊ ፐብሊክ ሰርቪስን ልምዓት ሓይሊ ሰብን ኣዲስ ኣበባ ጀማሉ ጀምበር (ዶ/ር) ብወገኖም፤ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል'ኣዲስ መሶብ' ኣገልግሎታት መንግስቲ ናብ ሓደ ኣሰባሲቡ እዩ ኢሎም፡፡ 



በ18 ትካላትን ብ107 ኣገልግሎታትን ስራሕ ዝጀመረ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል'ኣዲስ መሶብ' ሐዚ ቁፅሪ ትካላት ናብ 22 ቁፅሪ ኣገልግሎታት ድማ ናብ 140 ክዓቢ ከምዝተገበረ ገሊፆም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም