ስልጠና ኮደርስ ምውሳድና ተወሳኺ ፍልጠትን ክእለትን ካብ ምርካብ ብተወሳኺ ኣብቲ ዓውዲ ብቑዓት ተወዳደርቲ ክንኸውን ኣኽኢሉና እዩ

መቐለ/መጋቢት 15/2018(ኢዜኣ) ስልጠና ኮደርስ ምውሳድና ተወሳኺ ፍልጠትን ክእለትን ካብ ምርካብ ብተወሳኺ ኣብቲ ዓውዲ ብቑዓት ተወዳደርቲ ክንኸውን ኣኽኢሉና እዩ ክብሉ ኣብ ከተማ መቐለ ስልጠና ኮደርስ ዝወሰዱ መናእሰይ ተዛሪቦም።
ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝተመቻቸወ ስልጠና ኮደርስ 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ድማ መናእሰይ ተጠቀምቲ እቲ ዕድል ኮይኖም ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነቶም ዘዕቢ ከም ዝኾነ ዝፍለጥ እዩ።



ስለዝኾነ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ እቲ ስልጠና ዝወሰዱ መናእሰይ፤ ስልጠና ኮደርስ ብምውሳድና ተወሳኺ ፍልጠትን ክእለትን ካብ ምርካብ ብተወሳኺ ኣብቲ ዓውዲ ተወዳደርቲ ክንኸውን ኣኽኢሉና እዩ ኢሎም።
ካብቶም ርኢቶ ዝሃቡ መናእሰይ መንእሰይ ኣኸዛ ወልደጊወርጊስ፤ ስልጠና ኮደርስ ብምውሳድ ኣብቲ ዓውዲ ዝሓሸ ፍልጠትን ክእለትን ዝረኸበትሉ ከም ዝኾነ ንኢዜኣ ሓቢራ።
እቲ ስልጠና ብብርኪ ዓለም ብቑዕ ተወዳዳሪ ብምዃን ካብ ንባዕላ ብተወሳኺ ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ኣገልግሎት ፅሬትን ቅልጣፈን ዘለዎ ኣገልግሎት ንምሃብ ወሳኒ እዩ ኢላ።
መናእሰይ ሰሎሞን ገብረመድህንን ፀዘጋዝኣብ ገብረእግዛብሄርን ብግደኦም፤ ስልጠና ኮደርስ ብፍላይ ድማ ንመናእሰይ ፍሉይ ዕድል ሒዙ ዝመፀ ከም ዝኾነ ገሊፆም።
እቲ ስልጠና ብምውሳዶም ኣብቲ ዓውዲ ብቑዓት ተወዳደርትን ተጠቀምቲ ዕድል ስራሕን ዝገብር ምዃኑ ብተግባር ከምዝረኣይዎ ብምግላፅ፤ ካልኦት እውን ግዜ ከየባኸኑ ተጠቀምቲ እቲ ዕድል ንክኾኑ ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም