ጎንደር ምልክት ልዕልና፣መርኣያ ሕብረ ብሄራውነትን ጥንታውነት ምስ ዘበናውነት ከም ሰምን ወርቅን ዘስማዕመዐትን ፍልይቲ ከተማ እያ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ጎንደር ምልክት ልዕልና፣መርኣያ ሕብረ ብሄራውነትን ጥንታውነት ምስ ዘበናውነት ከም ሰምን ወርቅን ዘስማዕመዐትን ፍልይቲ ከተማ እያ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/ 15/2018(ኢዜኣ) ጎንደር ምልክት ልዕልና፣መርኣያ ሕብረ ብሄራውነትን ጥንታውነት ምስ ዘበናውነት ከም ሰምን ወርቅን ዘስማዕመዐትን ፍልይቲ ከተማ እያ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ኣብ ኣብ ዘስፈርዎ መልእኽቲ፤ ማህደር ታሪኽ፣መፍልፈሊ ኪነ ጥበብን ስልጣነን ኣብ ዝኾነት ታሪኻዊት ከተማ ጎንደር ኣቲና ኢሎም።
ጎንደር ምልክት ልዕልና፣መርኣያ ሕብረ ብሄራውነትን ጥንታውነት ምስ ዘበናውነት ከም ሰምን ወርቅን ዘስማዕመዐትን ፍልይቲ ከተማ እያ ክብሉ ኣብ መልእኽቶም ገሊፆም።
ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣፄ ቴድሮስ ንዝተገበረልና ድሙቕን ክብሪ ዝተሞልኦን ኣቀባብላ ንርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ፣ላዕልዎት ኣመራርሓ እቲ ክልል፣ሓለፍቲ ስራሕ እታ ከተማ ከምኡ እውን " ጋሻ ናይ እግዚአብሔር እዩ" ብዝብል ለጋስን መስተውዓልን መንነቱ ንዝፍለጥ ኩሩዕ ህዝቢ ጎንደር ልባዊ ምስጋናይ የቕርብ ኢሎም።