ኣብ ዞባ ጋሞ ብሓደጋ ምድርማስ መሬት ንዝተጎድኡ ወገናት ምድጋፍን ብዘላቕነት ናይ ምጥያሽን ፃዕርታት ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ- ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር

ኣርባ ምንጭ/መጋቢት 15/2018(ኢዜኣ) ኣብ ዞባ ጋሞ ብሓደጋ ምድርማስ መሬት ንዝተጎድኡ ወገናት ምድጋፍን ብዘላቕነት ናይ ምጥያሽን ፃዕርታት ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም፡፡
ቤት ምኽሪ ፌደሬሽንን ሚኒስቴር ፍትሕን ኣብ ዞባ ጋሞ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምድርማስ መሬት ንዝተጎድኡ ወገናት ሓገዝ ገንዘንብ ናውትን ገይሮም፡፡



ኣብቲ ስፍራ ተረኺቦም ደገፍ ዝገበሩ ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር፤ በቲ ዝተፈጠረ ሓደጋ ንዝተጎድኡ ወገናት ምድጋፍን ብዘላቕነት ናይ ምጥያሽን ስራሕ እናተሳለጠ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ነዚ እውን ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ሓገዝ 3 ሚሊዮን ብር ከም ዝገበረ ብምግላፅ፤ ብዘላቕነት ንምጥያሽ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኣበርክቶኡ ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም፡፡
ኣብ ኩሎም ከባቢታት ንሓደጋታት ዝተዋደደን ዝተወደበን ዓቕሚ ቅድመ ጥንቃቐ፣ምክልኻልን ቅልጡፍ ምላሽ ምሃብን ምፍጣር ኣድላዪ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡
ኣብቲ ዞባ ብምኽንያት ምድርማስ መሬት ንዝተጎድኡ ወገናት ምድጋፍን ብዘላቕነት ናይ ምጥያሽን ጻዕሪ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከም ዝግባእን ኣብ ቀፃሊ እውን ስግኣት ሓደጋ ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ኣድላዪ ጥንቃቐ ክግበር ከምዘለዎን ኣገንዚቦም፡፡ 
ሚኒስቴር ፍትሕን ተፀዋዕቲ ትካላቱን ብተመሳሳሊ ንጉድኣት ደገፍ 3 ሚሊዮን ብርን ዓይነትን ገይሮም፡
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጥላሁን ከበደ፤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ሚኒስቴር ፍትሕን ንዝገበርዎ ሓገዝ ኣመስጊኖም።



መንግሥቲ እቲ ክልል ጉዱኣት ብዘላቕነት ንምጥያሽ እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ስግኣት ሓደጋ ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ተመሳሳሊ ጉድኣት ከየጋጥም ብዝተዋደደ መልክዑ ጻዕርታት እናተገበሩ ከምዝኾኑ ገሊጾም፡፡ 
ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሞ ደምስ ኣድማሱ(ዶ/ር) ብግደኦም፤  እቶም ትካላት ንዝገበርዎ ድጋፍ ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም