ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል'ኣዲስ መሶብ' ምንግልታዕ ተገልገልቲ ብምትራፍ ውፅኢታውነት እናረጋገፀ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል'ኣዲስ መሶብ' ምንግልታዕ ተገልገልቲ ብምትራፍ ውፅኢታውነት እናረጋገፀ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 15/2018(ኢዜኣ) ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል'ኣዲስ መሶብ' ምንግልታዕ ተገልገልቲ ብምትራፍ ውፅኢታውነት ሰናይ ምምሕዳር እናረጋገፀ ከም ዝኾነ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ 3ይ ዲጂታል ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል 'ኣዲስ መሶብ' ጨንፈር ልደታ መሪቐን ስራሕ ኣጀሚረን።
እተን ከንቲባ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ፅሬትን ውፅኢታውነትን ኣገልግሎት መንግሥቲ ዘረጋግፅ ምችው ምህዳር እናተፈጠረ እዩ።
ስለዝኾነ ድማ ተበፃሕነት ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ምንግልታዕ ዜጋታት ብምትራፍ ዕግበት ተገልገለቲ እናመሓየሸ ከም ዝርከብ ሓቢረን።
ኣብ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ፅሬትን ውፅኢታውነትን ብምርግጋፅ ብልሹው ኣሰራርሓ ሙሉእ ብሙሉእ ምፍታሕ ከም ዘኽኣለ ተዛሪበን።
ኣብ ቀፃሊ እውን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣገልግሎታት ቅልጡፍን ስሉጥን ብምግባር ዕግበት ተገልገልቲ ንምምሕያሽ ዝገብሮ ስራሕ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ኣረጋጊፀን።