መራኸብቲ ሓፋሽ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ዘጠናኽሩን ብሄራዊ ረብሓ ዘኽብሩን ፀብፃባት ክሰርሑ ኣለዎም 

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 15/2018(ኢዜኣ) ፀብፃባት መራኸብቲ ሓፋሽ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ዘጠናኽሩን ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያን ዘኽብሩ ኣብ ጨቡጥ ሓበሬታት ዝተመሰርቱን ክኾኑ ከምዘለዎም ሙሁራትን ናይቲ ዓውድን ሰብ ሞያታት ገሊፆም፡፡ 
ሙሁር ፖለቲካል ሳይነስን ዓለም ለኸ ርክብን ፕሮፌሰር ብሩክ ሃይሉ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝገበርዎ ጻንሒት፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ከይዲ ህንፀት ሃገር ዘይትካእ ግደ ኣለዎም ኢሎም፡፡ 
መራኸብቲ ሓፋሽ ሃገር ናይ ምህናፅ ዓቕሚ ከምዘለዎም ብምግላፅ፤ ናይ ሚዲያ ኣጠቓቕማና ዝሰኸነን ጥንቃቐ ዝተመልኦን ክኸውን ኣለዎ ኢሎም፡፡ 
ትካላት ብሓላፍነት ተዘይተመሪሖም ዘስዕቡዎ ጉዱኣት ልዑል ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ሰብ ሙያታትን ትካላትን ርክብ ህዝብታትን፣ሕውነትን ሓድነትን ኣብ ዘጠናኽሩ ትሕዝቶታት ከተኩሩ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም፡፡ 
ህልውና ኢትዮጵያን ብሄራዊ ረብሓን ቀዳሚ ኣጀንዳኦም ክኸውን ከምዝግባእ ብምግላጽ፤ ትሕዝቶታት ኣብ ጭቡጥ መረዳእታ ዝተመስረቱ ክኾኑ ከምዘለዎም ተዛሪቦም፡፡ 
ድሕሪ ለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ መራኸብቲ ሓፋሽ ምብዛሖምን ምቹው ኩነታት ስራሕ ምፍጣሩን ዝገለፁ ፕሮፌሰር ብሩክ፤ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ዝተኸፈቱ ዕድላት ሙያዊ ስነ ምግባር ብዝተላበሰ ፀብፃብ ብምስራሕ ክጠናኸር ይግባእ ኢሎም፡፡ 
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣሃዱ ሬድዮ ጋዜጠኛ ጥበቡ በለጠ ብወገኑ፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ንብልፅግና ሃገር፣ንማሕበረሰባዊ ልምዓትን ህንፀት ሰላምን ግንባር ቀደም ተሰለፍቲ ክኾኑ ከም ዘለዎም ገሊጾም፡፡ 
ልዕሊ ሃገር ምንም የለን ዝበሉ ጋዜጠኛ ጥበቡ፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ኢዲቶሪያል ፖሊሲኦም ንብሄራዊ ረብሓ ቅድሚያ ክህቡ ከምዘለዎም ተዛሪቦም፡።  
ኢትዮጵያ ኣብ ዝምጥና ልዕልናን ልምዓትን ንምብጻሕ እቲ ኸይዲ ኣብ ምስላጥ መራኸብቲ ሓፋሽ ግደኦም ክዋፀኡ ኣለዎም ኢሎም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም