ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝወሃቦም ሃፍቲ ንዝተሓሰበሉ ዕላማ ክውዕል ዘኽእሉ ደንብታትን መምርሕታትን ተዳሊዎም

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 14/2018 (ኢዜኣ) ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝወሃቦም ሃፍቲ ብኣግባቡ ንዝተሓሰበሉ ዕላማ ክውዕል ዘኽእሉ ደንብታትን መምርሕታትን ከም ዝተዳለዉ ሚኒስትር ዴኤታ ትምህርቲ ኮራ ጡሽኔ ገሊፆም።
ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣብ ዙርያ መምርሒ ኣመዳድባ ኣመራርሓ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣መምርሒ ስግግር ዓርሰ ምሕደራ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ መንግሥቲ፣ደገፍ ጥሙር በጀት ዓርሰ ምሕደራ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ መንግሥቲ ምስ ፕሬዚዳንትታት ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ተዋሳእቲ እቲ ዓውድን መድረኽ ዘተ ኣዳሊዉ።
ሚኒስትር ዴኤታ ትምህርቲ ኮራ ጡሽኔ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ መንግሥቲ ፅሬትን ተበፃሕነትን ትምህርቲ ንምርግጋፅ ግልፂ ዝኾነ ስርዓት ኣሰራርሓ ምርግጋፅ ዘኽእል ሪፎርም ገይሩ እዩ።
እዚ ድማ ሚኒስቴር ትምህርቲ ብቁፅሪ ኣዋጅ 1151/2011 ላዕለዋይ ትምህርቲ ብዝተውሃቦ ስልጣን ብሞይኦም ዝሰልጠኑ ብቕዓትን ክእለትን ዘለዎም ኣመራርሓ ትምህርቲ ናብ ስራሕ ምምፃእ ዘኽእል ኣሰራርሓ እዩ ኢሎም።
እቶም ደንብታትን መምርሕታትን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝወሃቦም ሃፍቲ ብኣግባቡ ምምሕዳርን ንዝተሓሰበሉ ዕላማ ምውዓልን ዘኽእሉ ከም ዝኾኑ እውን ተዛሪቦም።
ፕሬዚዳንትታትን ምክትል ፕሬዚዳንትታትን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝምረፅሉ መምርሒ ነዊሕ እዋን ዝወስድ ፍልጠትን ልምድን መሰረት ዝገበረ ሰነድ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም