መረፃ መራሕቲ ዝምረፅሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣካላት ፀጥታ ሞያዊ ብቕዓቶም ብተግባር ዘርእይሉ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መረፃ መራሕቲ ዝምረፅሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣካላት ፀጥታ ሞያዊ ብቕዓቶም ብተግባር ዘርእይሉ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 14/2018 (ኢዜኣ) መረፃ መራሕቲ ዝምረፅሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣካላት ፀጥታ ሞያዊ ብቕዓቶምን ዘይሻራዊነቶምን ብተግባር ዘርእይሉ ወሳኒ መድረኽ ከም ዝኾነ ምክትል ኣካቢ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣይተ ተስፋዬ ነዋይ ገሊፆም።
ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምስ ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ንመኮንናት ፖሊስ ዘዳለዎ ኣብ ወፍሪ ድሕንነት ኣመራርሓ፣ሰብኣዊ መሰላትን መረፃን ዝጠመተ ስልጠና ሎሚ መዓልቲ ምክያድ ጀሚሩ።
ምክትል ኣካቢ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣይተ ተስፋዬ ነዋይ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ መረፃ መራሕቲ ዝምረፅሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣካላት ፀጥታ ሞያዊ ብቕዓቶምን ዘይሻራዊነቶምን ብተግባር ዘርእይሉ ወሳኒ መድረኽ እዩ።
ስለዝኾነ ድማ እቲ ቦርድ ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስ ፖሊሳትን ኣካላት ፀጥታን ፌዴራል፣ክልላትን ክልቲኦም ምምሕዳር ከተማታትን ተዋዲዱ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ኣብ ሓለዋ ድሕንነት ጣብያታት መረፃ፣ድሕንነት ናውቲ መረፃ ዝርከብሉ ቦታ፣ናውቲ መረፃ ካብ ዋና ቤት ዕዮ ናብ ጨንፈር ኣብያተ ፅሕፈት ብዓጀባ ኣብ ምክፍፋል ብምትሕብባር እናተሰርሐ ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም።
እቲ መረፃ ሰላማውን ፍትሓውን ኮይኑ ንክዛዘም እጃም ፖሊስ ልዑል ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ እኹል ምድላው ክህልዎ ከም ዝግባእ ገሊፆም።
እቲ ስልጠና መኮንናት ፖሊስ ኣብ እዋን መረፃ ዝፍጠሩ ኩነታት ብብስለትን ብቕዓትን ንምምራሕ ከም ዝሕግዝ ተዛሪቦም።
ተጠባባቒ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ታምራት ሙሉጌታ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ እቲ ስልጠና ኣብ እዋን መረፃ ኣካላት ፀጥታ ክህልዎም ዝግባእ ሞያዊ ስነ ምግባር ንምጥንኻር ዘኽእል እዩ ኢሎም።
ፖሊስ ሓላዊ ድሕንነት ህዝቢ ስለዝኾነ ኣብ ከይዲ መረፃ ሰላማዊ መሰል ምንቅስቓስን ምምራፅን ዜጋታት ኣኽቢሩ ንክሰርሕ እቲ ስልጠና ቁልፊ እጃም ከም ዘለዎ ተዛሪቦም።