ስነ ስርዓት ኣወፃፅኣ ዕፃ ቅደም ሰዓብ ኣደራድራ ሽምን ምልክት መፍለይን ውድባት ፖለቲካን ውልቀ ሕፁያትን ወረቐት መውሃቢ ድምፂ ይካየድ ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
ስነ ስርዓት ኣወፃፅኣ ዕፃ ቅደም ሰዓብ ኣደራድራ ሽምን ምልክት መፍለይን ውድባት ፖለቲካን ውልቀ ሕፁያትን ወረቐት መውሃቢ ድምፂ ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 14/2018(ኢዜኣ) ስነ ስርዓት ኣወፃፅኣ ዕፃ ቅደም ሰዓብ ኣደራድራ ሽምን ምልክት መፍለይን ውድባት ፖለቲካን ውልቀ ሕፁያትን ወረቐት መውሃቢ ድምፂ ይካየድ ኣሎ።
ኣካቢት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሜላትወርቅ ሃይሉ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ እቲ ቦርድ ን7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣድላይ ስራሕ ቅድመ ምድላው እናሳለጠ እዩ ዝርከብ።
ኣብቲ ከይዲ እውን ምስ ሲቪክ ማሕበራት፣መራኸብቲ ሓፋሽን ኣካላት ፀጥታን ከምኡ እውን ምስ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ እናሰርሐ ከም ዝኾነ ተዛሪበን።
ምዝገባ ሕፁያት ውድባት ፖለቲካ ተዛዚሙ ኣብ ክልላት መረፃ ሽም ዝርዝር ሕፁያት ብዕሊ ከምዝተለጠፈ ብምግላፅ፤ ንዝቐርቡ ቅሬታታት እውን እቲ ቦርድ ምላሽ እናሃበ እዩ ዝርከብ ኢለን።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ምዝገባ መረፅቲ እናተሳለጠ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ቅድሚ 4 መዓልቲ ብመሰረት ዝተወደበ ሓበሬታ ልዕሊ 18 ሚልዮን ዜጋታት ንመራፅነት ከም ዝተመዝገቡ ኣብራህሪሀን።
እቲ ከይዲ ምዝገባ ብዲጂታልን ማኑዋልን እናተሳለጠ ከም ዝኾነ ዝገለፃ እተን ኣካቢት፤ ፀገም ሲስተምን ኔትወርክን ኣብ ዘለዎም ከባብታት እቲ ምዝገባ ብማኑዋል ንክሳለጥ ከም ዝተገበረ ኣረዲአን።
ኣብ 46 ሽሕን 757 ጣብያታት መረጻ እውን ናውቲ መረፃ ከም ዝተኸፋፈሉ ሓቢረን።