ዓውዲ ትራንስፖርት ካብ ብኽለት ከባቢ ዝፀረየ ንምግባር ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ዝተባብዑ ውፅኢታት ተመዝጊቦም እዮም

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 14/2018 (ኢዜኣ) ዓውዲ ትራንስፖርት ኢትዮጵያ ካብ ብኽለት ከባቢ ዝፀረየ ንምግባር ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ዝተባብዑ ውፅኢታት ከም ዝተመዝገቡ ሚኒስትር ዲኤታ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን በርኦ ሓሰን ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ መሰረተ ልምዓት ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን፣ ኣብ ትራንስፖርት ከተማን ሓምለዋይ ልምዓትን ትኹረት ብምግባር ዘላቒ ስርዓት ትራንስፖርት ንምዝርጋሕ እናሰርሐት እያ ትርከብ።
ሚኒስትር ዲኤታ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን በርኦ ሓሰን ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት እቲ ዓውዲ ከባቢ ንከይብክል ኣብ ምግባር ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም ኢሎም።
ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ንዘምፅኡን ንዝገጣጥሙን ኣካላት ኣፈፃፅምኦም ብዝምልከት ፖሊሲ ተዳሊዉ ተግባራዊ እናተገበረ ከም ዝርከብ ብምግላፅ፤ በዚ ድማ ነፃ ቀረፅ ሓዊሱ  ዝተፈላለዩ መተባብዕታት እናተገበረሎም ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
ብነዳዲ ዝሰርሓ ካብ ክልተ እግሪ ክሳብ ባሳት ከተማን ተሽከርከርቲ ፅዕነትን ናብ ሃገር ንከይኣትዋ ክልከላ ከም ዝተገበረ እውን ኣረዲኦም።
እዚ ስጉምቲ ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዓለም ንምሕላው ዘለዋ ቆራፅነት ዘርኢ እዩ ኢሎም።
ኣብ ትልሚ ልምዓት ስትራቴጂ 10 ዓመት ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 500 ሽሕ ተሽከርከርቲ ኣማራፂ ተሓዳሲ ሓይሊ ንክጥቀማ ንምግባር ብትኹረት እናተሰርሐ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ቁፅሪ ኣማራፂ ተሓዳሲ ሓይሊ ዝጥቀማ ተሽከርከርቲ 115 ሽሕ ከም ዝበፅሓ ገሊፆም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዓውዲ ትራንስፖርት ኢትዮጵያ ካብ ብኽለት ክባቢ ዝፀረየ ንምግባር ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ዝተባብዑ ውፅኢታት ከም ዝተመዝገቡ እውን ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም