ክብረ በዓል ሹዋሊድ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ብዘጠናኽር መልክዑ ክኽበር እዩ

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 12/2018 (ኢዜኣ) ክብረ በዓል ሹዋሊድ ሰላም፣ሕብረትን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ብዘጠናኽር መልክዑ ከም ዝኽበር ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ ክልል ሃረሪ ኣፍሊጡ።
ኣከባብራ በዓል ሹዋሊድ ካብ 25 ሕዳር 2016 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ትካል ትምህርቲ፣ሳይንስን ባህልን ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት(ዩኔስኮ) ዘይድሕሰስ ሓድጊ ዓለም ኮይኑተመዝጊቡ እዩ።
ሎሚ ዘበን ዝኽበር በዓል ሹዋሊድ "ሹዋሊድ ንሕብረ ብሄራዊ ሓድነትናን ዕቤት ቱሪዝምናን" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ክኽበር እዩ።
እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ዘውፅኦ መግላፂ፤ ፍሉይ መግለፂ ህዝቢ ሃረሪ ዝኾነ በዓል ሹዋሊድ በዓል ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ መግለፂ ማሕበራውን ምጣነ ሃፍታውን ፀጋ ህዝቢ ሃረሪ ከምዝኾነ ገሊፁ።
ኣከባብራ እቲ በዓል ፀጋ ሕብረት ህዝብታት ሃገርና እናጠናኸረ ካብ ዝርከቡ በዓላት እቲ ሓደ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ምብራቕ ክፋል ሃገርና ምልላይ ባህሊ ብምፍጣር ምትእስሳር ህዝብታት ኣብ ምጥንኻር ሃናፂ እጃም እናበርከተ ከም ዝርከብ ሓቢሩ።
ኣከባብራ ሎሚ ዘበን ዝኽበር በዓል ሹዋሊድ እውን ሰላም፣ሕብረትን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ብዘጠናኽር መልክዑ ንምኽባር ኣድላይ ምድላው እናተገበረ ከም ዝርከብ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍሊጡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም