ዜጋታት ብድምፆም ዝመርሕዎም ንምምራፅ ካርዲ መረፃ ብምውሳድ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ይግባእ-ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር - ኢዜአ ትግርኛ
ዜጋታት ብድምፆም ዝመርሕዎም ንምምራፅ ካርዲ መረፃ ብምውሳድ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ይግባእ-ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር
ጎንደር/መጋቢት 12/2018 (ኢዜኣ)ዜጋታት ብድምፆም ዝመርሕዎም ንምምራፅ ካርዲ መረፃ ብምውሳድ ሃገራዊ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ከም ዝግባእ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም።
ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገርን ሚኒስትር ሰላም መሓመድ እድሪስን 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣብ ዝወዳደሩሎም ከተማ ጎንደር ተረኺቦም ካርዲ መረፃ ወሲዶም።
ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር ኣብዚ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ህንፀት ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምጥንኻር ከይዲ መረፃ ወሳኒ እዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ ድማ ዜጋታት መሰሎም ክጥቀሙ ከም ዝግባእ ሓቢሮም።
ሓፈሻዊ መረፃ እዚ ዓመት ሰላማዊ፣ ፍትሓውን ዴሞክራሲያውን ብዝኾነ መንገዲ ንክካየድ መንግሥቲ ብቆራፅነት እናሰርሐ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እዚ ዕድል ብኣግባቡ ምጥቃም ከም ዝግባእ ተዛሪቦም።
ስለ ዝኾነ ድማ ዜጋታት ብድምፆም መራሕቶም ንምምራፅ ካርዲ መረፃ ብምውሳድ ሃገራዊ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ከም ዝግባእ ኣረዲኦም።
ሚኒስትር ሰላም መሓመድ እድሪስ ብግደኦም፤ ከይዲ መረፃ መግለፂ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ሓንቲ ሃገር ስለዝኾነ ጠንካራ ተሳትፎ እቲ ህዝቢ ወሳኒ እዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ ድማ ኣብ መረፃ እዚ ዓመት ዜጋታት ካርዲ መረፃ ብምውሳድ ናይ ፅባሕ መራሕቶም ዲሞክራሲያዊ ብዝኾነ መንገዲ ክመርፁ ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም።