መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተፈላለዩ ኢኮኖሚያዊ ረብሓታት እናበርከተ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተፈላለዩ ኢኮኖሚያዊ ረብሓታት እናበርከተ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 12/2018 (ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሽፋን ደኒ ኢትዮጵያ ብምዕባይ ኩለ መዳያዊ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ እናበርከተ ከም ዝኾነ ሚኒስትር ግብርና ኣዲሱ ኣረጋ ገሊፆም።
ሓለፍቲ ስራሕ ዓውዲ ግብርና ፌዴራልን ክልላትን ኣብ ዝተረኸብሉ “ምልከታ ሃፍቲ ተፈጥሮ መንግሥቲ መደመር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ንመዓልቲ ደኒ ዓለም ዝምልከት መድረኽ ምኽክር ይካየድ ኣሎ።
ሚኒስትር ግብርና ኣዲሱ ኣረጋ ኣብዚ እዋን፤ መንግሥቲ መደመር ንመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝሃቦ ትኹረት ሃፍትታት ተፈጥሮ ብምሕላው ኩለ መዳያዊ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ዘበርከቱ ውፅኢታት ከም ዝተረኸበሉ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ልዕሊ 48 ቢልዮን ፈልስታት ብምትካል ሽፋን ደኒ ኢትዮጵያ ካብ ዝነበሮ 17 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ናብ 23 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ምዕባይ ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ግንዛበ ሓለዋ ደኒ እቲ ማሕበረሰብ ኣብ ምዕባይን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ምቕፃልን ብትኹረት ክስራሕ እዩ ኢሎም።