ኣጠቓቕማ ነፃ ኣየር ሰዓት ንዲሞክራሲያውነት ከይዲ መረፃ ወሳኒ እጃም ኣለዎ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣጠቓቕማ ነፃ ኣየር ሰዓት ንዲሞክራሲያውነት ከይዲ መረፃ ወሳኒ እጃም ኣለዎ
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 12/2018 (ኢዜኣ) ኣጠቓቕማ ነፃ ኣየር ሰዓት ንዲሞክራሲያውነትን ፍትሓዊነትን ከይዲ መረፃ ወሳኒ እጃም ከም ዘለዎ ምክትል ኣካቢ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ተስፋዬ ንዋይ ገሊፆም።
ኣመራርሓ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፣በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያን ውድባት ፖለቲካን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ድልድልን ኣጠቓቕማን ነፃ ኣየር ሰዓት ውድባት ፖለቲካ ዝጠመተ መድረኽ ምኽክር ይካየድ ኣሎ።
ምክትል ኣካቢ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ተስፋዬ ንዋይ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ነፃ ኣየር ሰዓት ውደባት ፖለቲካ ፕሮግራሞምን ማኑፌስትኦምን ንህዝቢ ዘላልይሉ ወሳኒ መድረኽ እዩ።
እዚ ኣሰራርሓ እቲ ከይዲ መረፃ ዲሞክራሲያዊ፣ፍትሓውን ግልፅን ምዃኑ ካብ ዘርእዩ መግለፅታት እቲ ሓደ እዩ ኢሎም።
እቲ ቦርድ ምስ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ብምትሕብባር ንኣጠቓቕማ ነፃ ኣየር ሰዓት ዝመርሕ መምርሒ ኣዳሊዉ ናብ ስራሕ ከም ዝኣተወ እውን ኣፍሊጦም።
ውድባት እውን ብመራኸብቲ ሓፋሽ ዝወሃቦም ነፃ ኣየር ሰዓትን ዓምዲ ጋዜጣን ንስራሕ ቅስቀሳ መረፃ ብኣግባቡ ንክጥቀሙሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ንመበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 18 ነጥቢ 5 ሚልዮን ዜጋታት ንመራፅነት ከምዝተመዝገቡ እውን ሓቢሮም።