መራኸብቲ ሓፋሽ ንህንፀት ዘተኣኻኽብ ተረኽ ዘበርክትዎ ኣስተዋፅኦ ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ይግባእ 

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 12/2018 (ኢዜኣ) መራኸብቲ ሓፋሽ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ኣብ ምኽባርን ኣብ ህንፀት ዘተኣኻኽብ ተረኽን ዘበርክትዎ ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ከም ዝግባእ ዳይሬክተር ጀኔራል ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ከምኡ እውን ኣካቢ ቦር መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ገሊፆም።
ማእኸል ልህቀት በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ፈላማይ ዙር ሰልጠንቲ ዘፈር ፍሉይ ትኹረት ጋዜጠኝነት የመርቕ ኣሎ።



ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ህንፀት ሃገር ቁልፊ መሳርሕታት እዮም።
ስለዝኾነ ድማ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ብምኽባር ንህንፀት ዘተኣኻኽብ ተረኽ ዘበርክትዎ ኣስተዋፅኦ ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ይግባእ ኢሎም።
ስልጠና ዘፈር ፍሉይ ትኹረት ጋዜጠኝነት ማእኸል ልህቀት በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ፍልጠትን ክእለትን ሰብ ሞያ ኣብ ምዕባይ ልዑል ፋይዳ ከምዝህልዎ ኣረዲኦም።
ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያን ሓድነት ህዝብን ማእኸል ትኹረት መራኸብቲ ሓፋሽ ክኸውን ከም ዝግባእ እውን ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም