ብስነ ምግባር ሞያ ዝተሃነፀ ጋዜጠኛ ንህንፀት ሃገር ልዑል እጃም የበርክት

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 12/2018 (ኢዜኣ) ብስነ ምግባር ሞያን ልህቀትን ዝተሃነፀ ጋዜጠኛ ኣብ ህንፀት ሃገር ልዑል ኣስተዋፅኦ ከም ዘለዎ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ሃይማኖት ዘለቀ ገሊፀን።
መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ብማእኸል ልህቀት እቲ በዓል መዚ ዝተዳለወ ስልጠና ዘፈር ፍሉይ ትኹረት ጋዜጠኝነት ይካየድ ኣሎ።
እቲ ስልጠና፤ "ብቕዓት ሞያ ንልህቀት መራኸብቲ ሓፋሽ" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ክካየድ ፀኒሑ።



ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ሃይማኖት ዘለቀ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ እቲ ስልጠና ኣብ ታሪኽ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵየ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተን ንዕቤት እቲ ዓውዲ ዓብይ ኣስተዋፅኦ ዘለዎን እዩ።
ብልህቀት ሞያ ዝተሃነፀ ጋዜጠኛ ንዕቤት ሃገር ወሳኒ ከም ዝኾነ እውን ሓቢረን።
እቲ ስልጠና ን21 መዓልትታት ብዝተጠናኸረ መልክዑ እናተውሃበ ከም ዝፀንሐ ብምግላፅ፤ እዋኑ ዝሓለወን ነቲ ዓውዲ ዘማዕብልን ከም ዝኾነ ኣረዲአን።
እዚ ስልጠና ዝወሰዱ ሰብ ሞያ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ትካላቶም ለውጢ ንከምፅኡ እውን ፃውዒት ኣቕሪበን።
እዞም ካብ መራኸብቲ ሓፋሽ ህዝብን መንግስትን ዝተውፃእፅኡ 36 ሰብ ሞያ ኣብቲ ዓውዲ ፍሉይ ክእለት ንክህልዎም ዘኽእል ስልጠና ከም ዝወሰዱ እውን ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም