መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ነፃ፣ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ኮይኑ ንክሳለጥ ትፅቢት ዝግበረልና ክንዋፃእ ኢና-ውድባት ፖለቲካ - ኢዜአ ትግርኛ
መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ነፃ፣ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ኮይኑ ንክሳለጥ ትፅቢት ዝግበረልና ክንዋፃእ ኢና-ውድባት ፖለቲካ
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 9/2018 (ኢዜኣ) መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ነፃ፣ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ኮይኑ ንክሳለጥ ትፅቢት ዝግበረሎም እጃም ከም ዝዋፅኡ ውድባት ፖለቲካ ገሊፆም።
ንመበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ውድባት ፖለቲካ ክርክራት መረፃ ፖለቲካ ብምግባር ፖሊሲኦምን ስትራቴጂኦምን እናላለዩ እዮም ዝርከቡ።
ምዝገባ መረፅቲ እውን ካብ 28 ለካቲት 2018 ዓ/ም ጀሚሩ ብዲጂታልን ብስሩዕ መንገድን እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።
ኣብዚ ጉዳይ ብዝምልከት ኢዜኣ ዘዘራረቦም ኣመራርሓ ውድባት ፖለቲካ፤ እቲ መረፃ ሰላማዊ፣ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ንክኸውን ንደንቢ ስነ ምግባር መረፃ ኣኽቢሮም እናተንቀሳቐሱ ከም ዝኾኑ ኣረጋጊፆም።
ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብሄራዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ኣይተ ዘሪሁን ገብረእግዚአብሔር ከም ዝበልዎ፤ መረፃ ንህንፀት ሃገርን ዘላቒ ልምዓትን ወሳኒ ስጉምቲ እዩ።
ውድቦም እቲ መረፃ ዕዉትን ዲሞክራሲያውን ብዝኾነ መንገዲ ንክሳለጥ ካብ ሕዚ ጀሚሩ ሰፊሕ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው እናሳለጠ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ መረፃ ሓቃዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምርግጋፅ ዓብይ ስጉምቲ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ፕሬዝዳንት ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ወሎ ኣይተ ነጻነት ጣሰው ብግደኦም፤ መረፃ እዚ ዓመት ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ምዃን ብምንኣድ ውድቦም እውን ምዝገባ ሕፁያት በዚ መንገዲ ከም ዘሳለጠ ሓቢሮም።
መረፃ እዚ ዓመት ካብ ዝሓለፉ ከይድታት ብዝተፈለየ መልክዑ ታሪኻዊ ኮይኑ ንክሳለጥ እናሰርሑ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ብፍላይ ድማ እቲ መረፃ ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ኮይኑ ንክዛዘም እጃሞም እናተዋፅኡ ከም ዝኾኑ ተዛሪቦም።