ንተግባራዊነት ሃገራዊ ፍኖተ ካርታ ሰርኩላር ኢኮኖሚ ምውዳድ መዳርግቲ ኣካላት ክጠናኸር ኣለዎ - ኢዜአ ትግርኛ
ንተግባራዊነት ሃገራዊ ፍኖተ ካርታ ሰርኩላር ኢኮኖሚ ምውዳድ መዳርግቲ ኣካላት ክጠናኸር ኣለዎ
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 9/2018 (ኢዜኣ) ፍኖተ ካርታ ሰርኩላር ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዕዉት ንምግባር ተሳትፎን ምውዳድን መዳርግቲ ኣካላት ተጠናኺሩ ክቕፅል ከም ዘለዎ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ሌሊሴ ነሜ (ዶ/ር) ገሊፀን።
እቲ በዓል መዚ ትግበራ እቲ ፍኖተ ካርታ ውፅኢታዊ ንምግባር ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ፌዴራል ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል መረዳድኢ ስምምዕ ተፈራሪሙ።
ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ሌሊሴ ነሜ (ዶ/ር) ከምዝበልኦ፤ እቲ በዓል መዚ ስራሕቲ ሓለዋ ከባቢ ውፅኢታዊ ንምግባር ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሳለጠ እዩ ዝርከብ።
ሽቶታት ሓምለዋይ ልምዓት ኢትዮጵያ ንምዕዋትን ናብ ሰርኩላር ኢኮኖሚ ዝግበር ስግግር ንምቅልጣፍን ዘኽእል ሃገራዊ ፍኖተ ካርታ ኣብ 2017 ዓ/ም ተዳሊዉ ናብ ትግበራ ከም ዝኣተወ እውን ኣዘኻኺረን።
እቲ ፍኖተ ካርታ ፅርይቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምፍጣር ጎሓፍ ዳግማይ ኣብ ጥቕሚ ናይ ምውዓል (Recycling) ባህሊ ዘዕቢ እዩ ኢለን።
ምስቶም ትካላት ዝተገበረ ስምምዕ ኣብ ስራሕቲ ሓለዋ ከባቢ ስራሕቲ መጨበጢ ግንዛበ ምስላጥ፣ስርዓት ኣተሓሕዛን ኣተኣላልያን ጎሓፍ ብቴክኖሎጂን ብፍልጠትን ምድጋፍ ከምኡ እውን ሓባራዊ ስራሕቲ ክትትልን ደገፍን ብምውዳድ ምስራሕ ካብቶም ዝሳለጡ ስራሕቲ ከም ዝኾኑ ኣረዲአነ።
ናብ ሰርኩላር ኢኮኖሚ ዝግበር ስግግር ንክቀላጠፍ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብቆራፅነትን ብዝተጠናኸረ ተሳትፎን እጃሞም ንክዋፅኡ እውን ፃውዒት ኣቕሪበን።