ቀፃሊ መረፃ ሰላማዊነቱ ብዝተሓለወ መልክዑ ንክሳለጥ ትፅቢት ዝግበረልና እናተዋፃእና ኢና-ዓበይቲ ዓድን ሃደ ሲንቄታትን 

ኣዳማ/መጋቢት 9/2018 (ኢዜኣ) ቀፃሊ መረፃ ሰላማዊነቱ ብዝተሓለወ መልክዑ ንክሳለጥ ተሰማዕነትና ተጠቒምና ትፅቢት ዝግበረልና እጃም እናተዋፃእና ኢና ክብሉ ዓበይቲ ዓድን ሃደ ሲንቄታትን ተዛሪቦም።
ንመበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ውድባት ፖለቲካ ክርክራት መረፃ ፖለቲካ ብምግባር ፖሊሲኦምን ስትራቴጂኦምን እናላለዩ እዮም ዝርከቡ።
ምዝገባ መረፅቲ እውን ካብ 28 ለካቲት 2018 ዓ/ም ጀሚሩ ብዲጂታልን ብስሩዕ መንገድን እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።
ኣብዚ ጉዳይ ብዝምልከት ምክትል ኣካቢ ሕብረት ዓበይቲ ዓዲ ከተማ ኣዳማ ኣይተ ፈይሳ መገርሳ ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ እቲ መረፃ ሰላማውን ዲሞክራሲያውን ንክኸውን እጃሞም እናተዋፅኡ እዮም።
“ከም ዜጋ ካርዲ መረፃ ወሲድና ንሃገር ዝረብሕ ኣካል ብሰላማዊ መንገዲ ንምምራፅ ተዳሊውና ኢና” ዝበሉ ኣይተ ፈይሳ፤ እቲ ህዝቢ እውን ካርዲ ካብ ምውሳድ ጀሚሩ ንሰላማዊነት እቲ መረፃ እጃሙ ንክዋፃእ ስራሕቲ ምንቃሕ እናሰራሕና ኢና ኢሎም።
ኣብቲ መረፃ ኣሸናፊ ኣካል ሃገር ንከሳግር፣ተነሓናሕቲ ውድባት ይኹን ህዝቢ እቲ ውፅኢት ብኣወንታ ናይ ምቕባል ባህሊ ንከማዕብሉ ብዝተረኸበ ኣጋጣሚ እጃሞም እናተዋፅኡ ከም ዝኾኑ ኣረዲኦም።
ካሊእ ወሃቢ ርኢቶ ሃጂ ዑመር ሑሴን ብግደኦም፤ መረፃ እዚ ዓመት ሰላማውን ፍትሓውን ንክኸውን ዓርሶም ነቲ መረጻ ካብ ዝገብርዎ ምድላው ብተወሳኺ ስራሕቲ ምንቃሕ እቲ ህዝቢ እውን እናሳለጡ ከም ዝርከቡ ተዛሪቦም።
እቲ መራፂ ህዝቢ እውን ሓሳብ ተነሓናሕቲ መዚኑ ንመራፅነት ንክዳለው ከምኡ እውን ተነሓናሕቲ ውድባት ሓሳቦም ብመሰረት ስነ መግር እቲ ሕጊ ናብ ህዝቢ ንከቕርቡ ምርግጋዕ ካብ ኩሉ ትፅቢት ከም ዝግበር ሓቢሮም።
ሃዳ ሲንቄ ብርቄ ከበደ ብግደአን፤ እቲ መረፃ ቀፃሊ ዕድል እታ ሃገር ዝውስን ስለዝኾነ ብዘይ ዝኾነ ፀገም ብሰላም ንክዛዘም ብሓባር ምስራሕ ከምዝግባእ ገሊፀን።
"ሕዚ እውን እቲ ህዝቢ ካርዲ ካብ ምውሳድ ጀሚሩ ዝጠቕሞ ፖለቲካዊ ውድብ ንክመርፅ ማሕበረሰባዊ ሓላፍነትና እናተዋፃእና ኢና” ኢለን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም