ሚኒስቴር ጥዕና ኣብ ምክንኻን ህፃናትን ኣዴታትን፣ኣወሃህባ ኣገልግሎት ምጣነ ቤተሰብን ክትባትን መፅናዕቲ ዳህሳስ ከካይድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 4/2018(ኢዜኣ) ሚኒስቴር ጥዕና ኣብ ምክንኻን ህፃናትን ኣዴታትን፣ኣወሃህባ ኣገልግሎት ምጣነ ቤተሰብን ክትባትን ትኹረት ዝገበረ መፅናዕቲ ዳህሳስ ከም ዘካይድ ገሊፁ።
እቲ ሚኒስቴር ምስ ዩኒቨርሲቲታት ኣዲስ ኣበባን ጆን ሆፕኪንስን ብምትሕብባር እቲ መፅናዕቲ ከም ዘካይዶ ተገሊፁ።



እቲ መፅናዕቲ ዕላዊ ኣብ ዝተገበረሉ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጄ ድጉማ ከም ዝበልዎ፤ መንግሥቲ ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ ስርዓት ኣወሃህባ ውሳነ ንምህናፅ ብዝሃቦ ትኹረት ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ኣዴታትን ዝበፅሕ ዝነበረ መጠን ሞት ብዝለዓለ ኩነታት ምቕናስ ተኻኢሉ እዩ።
ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ትካላት ጥዕና ብምስፍሕፋሕ፣እታዎታት ብምምላእን ኣዴታት ኣብ እዋን ቅድመን ድሕረን ወሊድ ክትትል ሕክምና ንክገብራ ግንዛበ ብምፍጣርን እዩ እዚ ውፅኢት እዚ ክምዝገብ ክኢሉ ኢሎም።
እቲ ሕዚ ዝሳለጥ መፅናዕቲ ዳህሳስ ብፍላይ ድማ ኣብ ተበፃሕነት ኣገልግሎት ምጣነ ቤተሰብ፣ክንክን ጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን ከምኡ እውን ኣብ ሽፋን ክትባት ዘሎ ጭቡጥ ሓበሬታ ንምፍላጥን ንቀፃሊ ውሳነታት ፖሊሲ ከም እታዎት ንምጥቃምን ዝለዓለ ረብሓ ከም ዘለዎ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም