ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዞባ ጋሞ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምንሽርታት መሬትን ውሕጅን ኣብ ልዕሊ ወገናት ብዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰምዐን ሓዘን ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 4/2018(ኢዜኣ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጋሞ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምንሽርታት መሬትን ውሕጅን ኣብ ልዕሊ ወገናት ብዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰምዐን ሓዘን ገሊፀን።
እተን ከንቲባ ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጋሞ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምንሽርታት መሬትን ውሕጅን ኣብ ልዕሊ ወገናትና ብዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰመዐኒ ከቢድ ሓዘን ይገልፅ ኢለን።



ንቤተሰብ፣ፈተውትን ኣዝማድን በቲ ሓደጋ ዝተጎድኡ ከምኡ እውን ንመላእ ህዝቢ እቲ ክልል ፅንዓት ይምነ ክብላ እውን ገሊፀን።
ኣብ ቀፃሊ እውን በቲ ሓደጋ ዝተጎድኡ ወገናትና ዳግማይ ንምጥያሽ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ምምሕዳርን ህዝብን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ጎንኹም ከም ዝኸውን የረጋግፅ ክብላ መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም