ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ ዞባ ጋሞ ብዝበፅሐ ሓደጋ ምንሽርታት መሬት ዝተሰምዖም ከቢድ ሓዘን ገሊፆም - ኢዜአ ትግርኛ
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ ዞባ ጋሞ ብዝበፅሐ ሓደጋ ምንሽርታት መሬት ዝተሰምዖም ከቢድ ሓዘን ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 4/2018(ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጋሞ ወረዳ ባባ ጣብያ ላካ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምንሽርታት መሬት ብዝበፅሐ ጉድኣት ሂወትን ምፍንቓል ዜጋታትን ዝተሰምዖም ከቢድ ሓዘን ገሊፆም።
እቶም ፕሬዚዳንት በቲ ሓደጋ ሂወቶም ንዝሰኣኑ ወገናት ዝተሰምዖም ከቢድ ሓዘን ብምግላፅ፤ ንቤተሰብን ኣዝማድን እቶም ተጎዳእቲ ፅንዓት ተመንዮም።