ኣብ ዞባ ጋሞ ብምንሽርታት መሬት ዝተጎድኡ ዜጋታት ዳግማይ ንምጥያሽ መንግሥቲ ኣድላይ ደገፍ ክገብር እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ዞባ ጋሞ ብምንሽርታት መሬት ዝተጎድኡ ዜጋታት ዳግማይ ንምጥያሽ መንግሥቲ ኣድላይ ደገፍ ክገብር እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 4/2018(ኢዜኣ) ኣብ ዞባ ጋሞ ብምንሽርታት መሬት ዝተጎድኡ ዜጋታት ዳግማይ ንምጥያሽ መንግሥቲ ኣድላይ ደገፍ ከም ዝገብር ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣፍሊጦም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጋሞ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምንሽርታት መሬትን ውሕጅን ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ብዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰመዐኒ ከቢድ ልባዊ ሓዘን ክገልፅ ይደሊ ኢሎም።
በቲ ሓደጋ ጉድኣት ንዝበፅሖም ቤተሰብን ዘመዳትን እቶም ተጎዳእቲ እውን ፅንዓት ተመንዮም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ብምኽንያት እቲ ሓደጋ ጉድኣት ዝበፅሖም ዜጋታት ዳግማይ ንምጥያሽ ግዳያት እቲ ሓደጋ ንምሕጋዝ መንግሥቲ ኣድላይ ደገፍ ክገብር እዩ ኢሎም።