ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ኣብ ዞባ ጋሞ ብሓደጋ ምህማም መሬት ንዝተጎድኡ ወገናት ኣፅናዕኒዖም - ኢዜአ ትግርኛ
ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ኣብ ዞባ ጋሞ ብሓደጋ ምህማም መሬት ንዝተጎድኡ ወገናት ኣፅናዕኒዖም
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 4/2018(ኢዜኣ) ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ኣብ ዞባ ጋሞ ብሓደጋ ምህማም መሬት ንዝተጎድኡ ወገናት ኣፅናዕኒዖም።
ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ፤ ምምላእ ሩባ ኩልፎ ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ኣብ ልዕሊ ንብረትን መሰረተ ልምዓትን ዘብፀሖ ጉድኣት ትማሊ ተዘዋዊሮም ብምዕዛብ ዜጋታት ነቶም ጉድኣት ዝበፅሖም ወገናት ደገፍ ንክገብሩ ፃውዒት ምግባሮም ዝዝከር እዩ።
ሎሚ መዓልቲ እውን ንመፅናዕንዒ ኣብ ዝተዳለወ ስፍራ ተረኺቦም ንቤተሰባት እቶም ተጎዳእቲ ኣፅናዕኒዖም።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጥላሁን ከበደ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልል፣ዞባ ጋሞን ምምሕዳር ከተማ ኣርባ ምንጭን ኣብቲ ስፍራ ተረኺቦም።