ደቂ ኣንስትዮ ዘለወን ዓቕምን ፍልጠትን ዘላቒ ሃገራዊ ዕቤት ኣብ ምጥንኻር ኣስተዋፅኦ ከበርክታ ይግባእ ተባሂሉ

ሆሳእና/መጋቢት 3/2018(ኢዜኣ) ደቂ ኣንስትዮ ዘለወን ዓቕምን ፍልጠትን ዘላቒ ሃገራዊ ዕቤት ኣብ ምጥንኻር ኣስተዋፅኦ ከበርክታ ከም ዝግባእ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ እናትዓለም መለሰ ገሊፀን።
"50 ዓመት ድምፂ ደቂ ኣንስትዮ ንማዕርነትን ንዝማዕበለት ኢትዮጵያን" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተዳለወ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዋቻሞ ይኽበር ኣሎ።



ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ እናትዓለም መለሰ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ ደቂ ኣንስትዮ ዘለወን ዕቑር ዓቕምን ፍልጠትን ዘላቒ ሃገራዊ ዕቤት ኣብ ምጥንኻር ኣስተዋፅኦ ከበርክታ ይግባእ።
ደቂ ኣንስትዮ ንዝበፅሕኦ ምርግጋፅ ማዕረ ተሳትፎን ተረባሕነትን ዝተፈላለዩ ቃልስታት ከም ዝተገበሩ እውን ሓቢረን።
ሎሚ ኣብ ዝዝከር ዘሎ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፤ ደቂ ኣንስትዮ ህንፀት ሃገረ መንግሥቲ ኣብ ምጥንኻር ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ካብ ምውፋር ብተወሳኺ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ እውን እጃመን እናበርከታ እየን ዝርከባ ኢለን።



ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መፅናዕትን ምርምርን፣ምኽንያታዊነት መሰረት ዝገበረን ሓላፍነቱ ብኣግባቡ ምውፃእ ዝኽእልን ዜጋ ኣብ ምፍራይ እውን ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ እናበርከታ ከም ዝኾና ተዛሪበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም