ኣብ ሓለዋ እንሰሳት ዘገዳምን ሃፍቲ ተፈጥሮን ዝተሳለጡ ስራሕቲ ንኢትዮጵያ ተወዳዳሪት መባፅሒት ቱሪዝም ንክትኸውን ኣኽኢሎምዋ እዮም

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 3/2018(ኢዜኣ) ኣብ ሓለዋ እንሰሳት ዘገዳምን ሃፍቲ ተፈጥሮን ዝተሳለጡ ስራሕቲ ንዕቤት ኢኮ-ቱሪዝም ምችው ኩነታት ብምፍጣር ንኢትዮጵያ ተወዳዳሪት መባፅሒት ቱሪዝም ንክትኸውን ከም ዘኽኣልዋ ሚኒስቴር ቱሪዝም ኣፍሊጡ።
በዓል መዚ ሓለዋ እንሰሳት ዘገዳም “60 ዓመታት ንሂወት በረኻ ኢትዮጵያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መርሃ ግብሪ ምጅማር መበል 60 ዓመት በዓል ምስረታ የካይድ ኣሎ።



ሚኒስትር ዲኤታ ቱሪዝም ስለሺ ግርማ ኣብዚ እዋን፤ እቲ በዓል መዚ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እንሰሳት ዘገዳም፣ሃፍቲ ተፈጥሮን ስነ ምህዳርን ንምሕላው ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናሳለጠ ከም ዝፀንሐ ሓቢሮም።
 ኢትዮጵያ ብሃፍቲ ብዝሃ ቱሪዝም ዝተዓደለት ከም ዝኾነት ብምግላፅ፤ ኣብ ዓውዲ ሓለዋ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ንኢኮ-ቱሪዝም ሓደሽቲ ዕድላት ከም ዝፈጠሩ ተዛሪቦም።
እዚ ድማ ቁፅሪ ጎብነይቲ ብምዕባይ ሸርፊ ወፃኢ ንምጥንኻርን ንዜጋታት ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ እዩ ኢሎም።
ይኹን እምበር ሕዚ እውን ከም ዘይሕጋዊ ሃደንን ንግድን ከምኡ እውን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዝበሉ ፀገማት እቲ ዓውዲ ሓባራዊ ፃዕሪ ከም ዘድልዮም ኣረዲኦም።
ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኩመራ ዋቅጅራ ብግደኦም፤ እቲ በዓል መዚ ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓሰርተ ዓመታት ብሄራዊ ፓርክታት ኣብ ምስራሕ፣ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮን ዘይሕጋዊ ንግዲ እንሰሳት ዘገዳም ኣብ ምክልኻልን ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከም ዝተሳለጡ ተዛሪቦም።



ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ መፅናዕቲ መሰረት ዝገበሩ 87 ቦታታት ሓለዋ ከም ዝርከቡ ኣፍሊጦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም