መለለዪ መንነት ፋይዳ ንውፅኢታውነት ስራሕቲ ምክልኻልን ምርመራን ገበን ኣስተዋፅኦ እናበርከተ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መለለዪ መንነት ፋይዳ ንውፅኢታውነት ስራሕቲ ምክልኻልን ምርመራን ገበን ኣስተዋፅኦ እናበርከተ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 3/2018(ኢዜኣ) መለለዪ መንነት ፋይዳ ንውፅኢታውነት ስራሕቲ ምክልኻልን ምርመራን ገበን ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከም ዝኾነ ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገብረሚካኤል ገሊፆም።
ኣብ ዙርያ መለለዪ መንነት ፋይዳ ንኣመራርሓን ኣባላትን ፖሊስ ፌዴራልን ክልላትን መድረኽ መጨበጢ ግንዛበ ይካየድ ኣሎ።
ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ኣብዚ እን ከም ዝበልዎ፤ መለለዪ መንነት ፋይዳ ፀጥታን ድሕንነትን ንምርግጋፅ ዝስርሑ ስራሕቲ ውፅኢታዊ ንምግባር ዝለዓለ እጃም ኣለዎ።
ብፍላይ ድማ ዝተፈላለዩ መለለዪ መንነት ብምጥቃም ዝፍፀሙ ገበናት ኣብ ምክልኻል ዝለዓለ ረብሓ ከም ዘለዎ ብምግላፅ፤ ዝተሓላለኹን ዶብ ተሳገርትን ገበናት ኣብ ምቁፅፃር እውን ርኡይ እጃም ከም ዘለዎ ኣብራህሪሆም።
ስማርት ፖሊስ ስቴሽን ሓዊሱ ዘበናዊ ስርዓት ምክልኻል ገበን እናተዘርገሐ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ተዛመድቲ ስርዓታት ምስ ፋይዳ ብምትእስሳር ንዝለዓለ ውፅኢት ከም ዝስራሕ እውን ተዛሪቦም።