መራኸብቲ ሓፋሽ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ትኹረት ሂቦም ክሰርሑ ኣለዎም-ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት - ኢዜአ ትግርኛ
መራኸብቲ ሓፋሽ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ትኹረት ሂቦም ክሰርሑ ኣለዎም-ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 3/2018(ኢዜኣ) መራኸብቲ ሓፋሽ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ትኹረት ሂቦም ክሰርሑ ከም ዝግባእ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ጉዳያት ማሕበራዊ ሚኒስትር ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ገሊፆም።
በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ “መራኸብቲ ሓፋሽ ንብሄራዊ ረብሓ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘዳለዎ ሃገር ለኸ ኮንፈረንስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ጉዳያት ማሕበራዊ ሚኒስትር ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ትኹረት ሂቦም ክሰርሑ ይግባእ።
መንግሥቲ መደመር ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ብሄራዊ ረብሓን ንምርግጋፅ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ።
ሓባራዊ ተረኻት ብምህናፅን ሓባራዊ ፀጋታት ብምጥንኻርን ሃገራዊ ብልፅግና ንምርግጋፅን ብትኹረት እናተሰርሐ ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም።
መራኸብቲ ሓፋሽ ንህንፀት ሃገር ዓብይ ኣስተዋፅኦ ከም ዘለዎም ብምግላፅ፤ ብመሰረት እዚ ድማ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ንምርግጋጽ ብትኹረት ክሰርሑ ከም ዝግባእ ተዛሪቦም።
ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሃይማኖት ዘለቀ ብግደአን፤ መራኸብቲ ሓፋሽ እዋናውን ትኽክለኛን ሓበሬታ ብምቕራብ ንህንፀት ሃገር ዓብይ ኣስተዋፅኦ ከም ዘለዎም ኣረዲአን።
ብሄራዊ ረብሓ ኣብ ምሕላውን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ኣብ ምህናፅን መራኸብቲ ሓፋሽ ዝለዓለ እጃም ከም ዘለዎም ብምሕባር፤ ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ መንግሥቲ ብዝገበሮ ሪፎርም ምህዳር መራኸብቲ ሓፋሽ ከም ዝሰፍሐ ገሊፀን።