ኣብ ልዕሊ ብልዑል ድጎማ መንግሥቲ ዝቐርብ ነዳዲ ካብ ዝተተለመሉ መጠን ዋጋን ሰንሰለት ዕድጊትን ወፃኢ ዝሸጡ ዘይሕጋውያን ጠንካራ ስጉምቲ ምውሳድ ተጀሚሩ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 2/2018(ኢዜኣ) ኣብ ልዕሊ ብልዑል ድጎማ መንግሥቲ ዝቐርብ ነዳዲ ካብ ዝተተለመሉ መጠን ዋጋን ሰንሰለት ዕድጊትን ወፃኢ ዝሸጡ ዘይሕጋውያን ኣካላት ጠንካራ ስጉምቲ ምውሳድ ከም ዝተጀመረ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣፍሊጦም።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣብ ዙርያ ቀረብ ነዳዲ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ መንግሥቲ ኣብ ተለዋዋጢ ኩነታት ዕዳጋ ዓለም ኮይኑ ፅዕንቶ ህዝቢ ንምቕናስ ብቢልዮን ዝቑፀር ዶላር ድጎማ እናገበረ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ስለ ዝኾነ ድማ መንግሥቲ ነዳዲ ናብ ሕብረተሰብ ተበፃሒ ንምግባር በቢ ዓመቱ ልዕሊ 4 ነጥቢ 2 ቢልዮን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ብምምዳብ እናሰርሐ ከም ዝርከብ ተዛሪቦም።
ትማሊ ዝተገበረ ምስትኽኻል ዋጋ እውን ብመዳይ መንግሥቲ ነዳዲ ዝገዝአሉ ዕዳጋ ዓለም እንትረአ ኣዝዩ ትሑት ከም ዝኾን ሓቢሮም።
መንግሥቲ ብዝለዓለ ቆራፅነት ዘቕርቦ ነዳዲ በቲ ዝተተለመሉ ተመን ዋጋን ሰንሰለት ዕድጊትን እናተሸጠ ከም ዘይኮነ ብመፅናዕቲ ከም ዝተረጋገፀ እውን ገሊፆም።
በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ልዕሊ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕብረተሰብ ግቡእ ዘይኮነ ፅልዋ ዝፈጥሩ ዘይሕጋውያን ኣካላትን ተሓባበርቶምን ስጉምቲ ምውሳድ ከም ዝተጀመረን እዚ ድማ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅልን ኣረጋጊፂም።
እቲ ሕብረተሰብ እውን ከምዚ ንዝበሉ ዘይሕጋዊ ፍፃመታት ጥቆማ ብምሃብ ንክተሓባበር ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ምስ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ተኣሳሲሩ ምትእጉጓል ቀረብ ነዳዲ ንከይፍጠር መንግሥቲ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ብምጥቃም ዘተኣማምን ቀረብ ንክህሉ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም