ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብሰብ ተኮር ስራሕቲ ልምዓት ሂወት ብርክት ዝበሉ ዓቕሚ ዘይብሎም ዜጋታት ዘመሓየሹ ዕዉታት ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብሰብ ተኮር ስራሕቲ ልምዓት ሂወት ብርክት ዝበሉ ዓቕሚ ዘይብሎም ዜጋታት ዘመሓየሹ ዕዉታት ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 2/2018(ኢዜኣ) እቲ ምምሕዳር ከተማ ብሰብ ተኮር ስራሕቲ ልምዓት ሂወት ብርክት ዝበሉ ዓቕሚ ዘይብሎም ዜጋታት ዘመሓየሹ ዕዉታት ስራሕቲ ከም ዘሳለጠ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ ከባቢ ሳር ቤት ኣብ ትሑት መነባብሮ ንዝርከቡ፣ጉዱኣት ኣካልን ሰብ ውዕለታ ሃገርን ከምኡ እውን ብዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ንዝተልዓሉ ኣብ ውሽጢ ናይ ቀበሌ ገዛውቲ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነብሩ ዝነበሩ ወገናት መንበሪ ኣባይቲ ኣረኪበን።
እተን ከንቲባ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ ኣብታ ከተማ ዘሎ ድሌት መንበሪ ዜጋታት ንምምላእ ብርክት ዝበሉ ኣባይቲ ተሃኒፆም ንነበርቲ ተመሓላሊፎም እዮም።
መንግሥቲ ሕቶ መንበሪ ዜጋታት ንምምላስ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል እውን ተዛሪበን።
ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነብሩ ንዝነበሩ ዜጋታት ደረጅኦም ዝሓለዉን ዘበናውን ኣባይቲ ሃኒፁ ምርካብ ምኽኣሉ ዓብይ ዓወት እዩ ኢለን።
ሎሚ መዓልቲ ዝተሳለጠ ርኽክብ መንበሪ ፍሉይ ዝገብሮ ድማ ቅድሚ ሕዚ 5 ቤተሰብ ጥራሕ ዝነብርሉ ኣብ ዝነበረ ፀቢብ ቦታ 70 መራሕቲ ስድራ ምትእንጋድ ዝኽእል ዘበናዊ ህንፃ ተሃኒፁ ናብ ነበርቲ ንክመሓላለፍ ምግባሩ እዩ ክብላ እውን ኣረዲአን።
ሰብ ተኮር ስራሕቲ ልምዓት እታ ከተማ ሂወት ዓቕሚ ዘይብሎም ወገናትን ነበርትን ብዘላቕነት ኣብ ምምሕያሽ ዓብይ ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ከም ዝኾኑ ሓቢረን።
ስለ ዝኾነ ድማ ሰሓብን ምችውን ስፍራ መንበሪ እናተሃነፀ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ንክብሪ ዜጋታት ዝምጥን ሜላ መነባብሮ እናተፈጠረ እዩ ዝርከብ ኢለን።