ጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን ንምምሕያሽ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ጭቡጥ ውፅኢት ኣመዝጊቦም እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን ንምምሕያሽ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ጭቡጥ ውፅኢት ኣመዝጊቦም እዮም
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 1/2018(ኢዜኣ) ጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን ንምምሕያሽ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ጭቡጥ ውፅኢት ከም ዘመዝገቡ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ገሊፀን።
ሚኒስቴር ጥዕና ምስ ዝተፈላለዩ መሓዙት ኣካላት መሳርሕታትን እታዎታትን ሕክምና ምድጋፍ ዘኽእል ሰነድ መረዳድኢ ሰለስተ ዓመት ተፈራሪሞም።
እዚ ደገፍ ቀረብ እታዎት ኣዴታት፣ህፃናትን ምጣነ ቤተሰብን ምዕባይ ዘኽእል እንትኸውን ዓውዲ ሕክምና ንምምዕባል ዝተጀመሩ ስራሕቲ ዘጠናኽር እዩ።
ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዝተሳለጡ ስራሕቲ ጭቡጥ ውፅኢት እናተረኸበሎም እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ኣብ ትካላት ጥዕና ዝወልዳ ኣዴታት እናወሰኸ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ተበፃሕነት ኣገልግሎት ምጣነ ቤተሰብ ኣብ ምስፋሕ እውን ዝነኣዱ ስራሕቲ ከም ዝተሳለጡ ሓቢረን።
ብመንግሥቲ ኣብ ትካላት ጥዕና ንኣዴታት ዝወሃብ ኣገልግሎት ሕክምና ቅድመ ወሊድን ድሕረ ወሊድን ነዚ እመርታ ዓብይ እጃም ከም ዘበርከተ ብምሕባር፤ ንዕዉትነት ቆራጽነት መንግሥቲ ደገፍ እቲ ማሕበረሰብን መዳርግቲ ኣካላትን ልዑል ከም ዝነበረ ተዛሪበን።
ኣምባሳደር ኔዘርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ክርስቲን ፐረን ብግደአን፤ ኢትዮጵያ ወሳኒት መሓዛ ሃገር ከምዝኾነት ፀሪሐን።
ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ንግዲ፣ኢንቨስትመንትን ጥዕናን እናተጠናኸረ እዩ ኢለን።
እዚ ስምምዕ ኢትዮጵያ ኣብ ቅነሳ ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ዘመዝገበቶ ውፅኢት ንምትብባዕ ዝዓለመ ከም ዝኾነ እውን ተዛሪበን።