ሕቶ ዋንነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምላሽ እንትረክብ ንሰላምን ምርግጋዕን እቲ ዞባ ስትራቴጂካዊ ዓቕሚ ዝፈጥር እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ሕቶ ዋንነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምላሽ እንትረክብ ንሰላምን ምርግጋዕን እቲ ዞባ ስትራቴጂካዊ ዓቕሚ ዝፈጥር እዩ
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 1/2018(ኢዜኣ) ሕቶ ዋንነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምላሽ እንትረክብ ንሰላምን ምርግጋዕን እቲ ዞባ ስትራቴጂካዊ ዓቕሚ ከም ዝፈጥር ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሓላፊ ዋና መምርሒ ትምህርትን ስልጠናን ጄኔራል ይመር መኮንን ገሊፆም።
ብሄራዊ ማሕበር ሰራዊት ኢትዮጵያ “ቀይሕ ባሕርን በሪ ባሕርን ንተፈጥሮኣዊ መሰል ኢትዮጵያ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘተ የካይድ ኣሎ።
ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሓላፊ ዋና መምርሒ ትምህርትን ስልጠናን ጄኔራል ይመር መኮንን ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ካብ ዘበነ ስልጣነ ኣኽሱም ጀሚሩ ኣዱሊስን ዛይላን በሪ ባህልን ንግድን ኢትዮጵያ ኮይኖም እናገልገሉ ከም ዝነበሩ ታሪኽ ዝገልፆ ሓቂ እዩ።
እዚ ታሪኻዊ ሓቂ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ሕቶ ናይ ቀረባ እዋን ድሌት ፖለቲካ ዘይኮነስ ምስ ልኣላዊነትን ብሄራዊ ህልውናኣን ዝተኣሳሰረ ታሪኻውን ተፈጥሮኣውን መሰል እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ካብ በሪ ባሕሪ ንክትርሕቕ ምግባሩ ንኢኮኖሚያዊ ዕቤት ማሕለኻ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ ሕቶ በሪ ባሕሪ ምላሽ እንትረክብ ንኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ንኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር እቲ ዞባ ወሳኒ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
ዋንነት በሪ ባሕሪ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵ ካብ ምርግጋፅ ብተወሳኺ ኣብቲ ከባቢ ዝረኣዩ ስግኣታት ፀጥታ ብሓባር ምክልኻል ዘኽእል ስትራቴጂካዊ ዓቕሚ ዝፈጥር ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።
ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሓባራዊ ተረባሕነትን ዞባዊ ውህደትን መሰረት ዝገበረ ከም ዝኾነ እውን ኣብሪሆም።
እቲ ሕቶ ምላሽ ንክረክብ ንቑሕ ተሳትፎ ከም ዝሓትት ብምሕባር፤ ነዚ ድማ ጠንካራ ተሳትፎ ኣባላት እቲ ማሕበር ወሳኒ እዩ ኢሎም።
ፕሬዚዳንት ብሄራዊ ማሕበር ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓምሳ ሓለቓ ብርሃኑ ኣማረ ብግደኦም፤ ኣባላት እቲ ማሕበር ኣብ ጉዳይ ሃገር ግንባር ቀደም ተሳትፎ እናገበሩ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
እቲ ሕቶ ብሰላማውን ዲፕሎማሲያውን መንገዲ ምላሽ ንክረክብ እቲ ማሕበር ትፅቢት ዝግበረሉ ሓላፍነት ከም ዝዋፃእ እውን ኣረጋጊፆም።