ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ኣብ ፊስካል ፖሊሲን መንግስታዊ ፋይናንስን ዓወታት ተመዝጊቦም እዮም

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 1/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ኣብ ፊስካል ፖሊሲን መንግስታዊ ፋይናንስን ዓወታት ከም ዝተመዝገቡ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣፍሊጡ።
እቲ ሚኒስቴር ከም ዝገለፆ፤ ሕፅረት በጀት መንግስቲ ንምቕናስ ብዝተወሰደ ስጉምቲ ካብ ፍርያት ውሽጢ ሃገር -2.5 ሚእታዊ ዝነበረ ሕጽረት በጀት ናብ -0.9 ሚኢታዊ ወሪዱ እዩ።
እቶት መንግስቲ ዘመሓይሹ ሪፎርምታት ተግባራዊ ብምግባሮም እቲ ሓፈሻዊ እቶት ልዕሊ 5 ዕፅፊ ወሲኹ እዩ ኢሉ።
ኣንፈት ወፃኢ መንግስቲ ድኽነት ንምምካትን ልምዓት ንምርግጋፅን ንክውዕል ብምግባሩ እውን ድኽነት ተኮር ወፃኢ ልዕሊ 5 ዕፅፊ ከም ዝወሰኸ እቲ ሚኒስቴር ሓቢሩ።
ተኣማንነት በጀት ንምርግጋፅ ዝሕግዝ ማዕቀፍ ፊስካል ማእኸላይ እዋን ንክጠናኸር ስለዝተገበረ ኣፈፃፅማ በጀት እናተመሓየሸ ከምዝመፀ ገሊፁ።
ካብ ብሄራዊ ባንኪ ዝውሰድ ቀጥታዊ ልቓሕ ንክተርፍ ስለዝተገበረ ናህሪ ዋጋ ንብረት ኣብ ምግታእ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።
መንግስቲ ዝተዋደደ ስርዓት ሓበሬታ ምምሕዳር ፋይናንስ ከም ዝዘርገሐ ብምግላፅ፤ ኣማራፅታት ዲጂታል ክፍሊት ተግባራዊ ብምግባርን ፋይናንሳዊ ስርዓታት ዘበናዊ ብምግባርን ስርዓተ ምሕደራ ፋይናንስ ዘበናዊ ንክኸውን ምግባር ከም ዝተኽኣለ ኣረዲኡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም