ማእኸላት መውሃቢ ዝተዋደደ ኣገልግሎት መጠናኸሪ ተረባሕነት ዜጋታት ኮይኖም እዮም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ማእኸላት መውሃቢ ዝተዋደደ ኣገልግሎት መጠናኸሪ ተረባሕነት ዜጋታት ኮይኖም እዮም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 1/2018 (ኢዜኣ) ማእኸላት መውሃቢ ዝተዋደደ ኣገልግሎት ቁልፊ መመላኸቲ ስሉጥ ኣፈፃፅማ ኣገልግሎት መንግሥትን መጠናኸሪ ሓፈሻዊ ተረባሕነት ዜጋታትን ኮይኖም እዮም ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ከተማ ሃረር ዝተሰርሐ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ተዓዚቦም።
ድሕሪ እቲ ዑደት እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ከተማ ሃረር ዝተሰርሐ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ኣካል ኣገልግሎታት መንግሥቲ ኣብ ሓደ ማእኸል ኣዋዲድካ ናይ ምቕራብ ሃገራዊ መርሃ ግብሪ እዩ ኢሎም።
ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ሃረር 8 ትካላት ብ24 መስኮታት ኣገልግሎት 67 ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ህዝቢ ኣብ ሓደ ስፍራ ንተገልገልቲ ዘቕርብ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
እዚ ሃገራዊ ኣፈፃፅማ ብቕዓት፣ ተበፃሕነትን ዕግበት ዜጋታትን ኣገልግሎት መንግሥቲ ብምምሕያሻን ኣብ መንጎ ትካላት ዝተበታተነ ኣገልግሎት ብምቕናስን እቲ ሕብረተሰብ ኣገልግሎት ንምርካብ ዘጥፍኦ ግዜን ጉልበትን ምቕናስ ከም ዘኽኣለ ኣረዲኦም።
ኣብ መላእ ሃገርና ስነ ሜላ መሶብ፤ መንግሥቲ ንዲጂታል ትራንስፎርሜሽንን ዝተዋደደ ኣወሃህባ ኣገልግሎትን ዘለዎ ፅኑዕ ቅዋም ብዘመላኽት መንገዲ እናተስፋሕፈሐ እዩ ዝርከብ እውን ኢሎም።
ማእኸላት መውሃቢ ዝተዋደደ ኣገልግሎት ቁልፊ መመላኸቲ ስሉጥ ኣፈፃፅማ ኣገልግሎት መንግሥትን መጠናኸሪ ሓፈሻዊ ተረባሕነት ዜጋታትን ኮይኖም እዮም ክብሉ እውን ገሊፆም።