እቲ ስራሕ ኮሪደር ገጠር ካብቲ ከባቢ ብዝተረኸቡ ናውትን ተሳትፎ ሕብረተሰብን ዝተሳለጠ ስራሕ ሞዴል ንእሽተይ መንደር እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 30/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ሃረሪ ወረዳ ሶፊ ጣብያ ቡርቃ ዝተሰርሐ ስራሕ ኮሪደር ገጠር ካብቲ ከባቢ ብዝተረኸቡ ናውትን ተሳትፎ ሕብረተሰብን ዝተሳለጠ ስራሕ ሞዴል ንእሽተይ መንደር እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ክልል ሃረሪ ወረዳ ሶፊ ጣብያ ቡርቃ ዝተሰርሐ ስራሕ ኮሪደር ገጠር ካብቲ ከባቢ ብዝተረኸቡ ናውትን ተሳትፎ ሕብረተሰብን ዝተሳለጠ ስራሕ ሞዴል ንእሽተይ መንደር እዩ ኢሎም።



ነባሪ እቲ ከባቢ ብንቕሓት ዝተሳተፈሉ ስራሕ ኮሪደር ገጠር ንባህላዊ ሜላ ህንፀት፣ዝተዋደደ ትልምን ተግባራዊ ውፅኢት ኣሰራርሓን ዘርኣየ ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም