ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝተውሃቦም ሃገራዊ ሓላፍነት ብኣግባቡ ንምውፃእን ትርጉም ዘለዎ ውፅኢት ንምምዝጋብን ተዋዲዶም ክሰርሑ ይግባእ-ሚኒስትር ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) 

ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 30/2018(ኢዜኣ) ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝተውሃቦም ሃገራዊ ሓላፍነት ብኣግባቡ ንምውፃእን ትርጉም ዘለዎ ውፅኢት ንምምዝጋብን ብምውዳድ ክሰርሑ ከም ዝግባእ ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ገሊፆም።
ሚኒስቴር ትምህርቲ ንክልተ መዓልቲ ዝፀንሕ ገምጋም ኣፈፃፅማ ቁልፊ ስራሕቲ ፍርቂ ዓመት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ 2018 ኣብ ኣዲስ ኣበባ የካይድ ኣሎ።



ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ኣብዚ መድረኽ ተረኺቦም ከም ዝበልዎ፤ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ምርምራት ኣብ ምክያድን ብቑዕ ዜጋ ኣብ ምፍራይን ዘለዎም እጃም ዝለዓለ እዩ።
እቶም ትካላት ሕዚ ምስ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ተለዋዋጢ ኩነታት ተወዳዳሪ ኮይኖም ብፍሉይ ትኹረት ክሰርሑ ከም ዝግባእ እውን ሓቢሮም።
ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ካብ ኣመራርሓ ክሳብ ታሕተዋይ ክፍሊ ስራሕ ዝተዋደደ ርብርብ ከም ዘድሊ ብምግላፅ፤ እቶም ትካላት ንዕቤት ሃገር ዘበርክትዎ ዘለዉ ኣስተዋፅኦ ብዝበለፀ ንከጠናኽሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም