ህንፀት ፕሮጀክት መንገድታት ኣየር ጤና - ካራ ወለቴን ኣውቶብስ ተራ - መሳለሚያ 18 ማዞሪያን ብዝተፋጠነ ኩነታት እናተሳለጠ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 30 /2018 (ኢዜኣ) ህንፀት ፕሮጀክት መንገድታት ኣየር ጤና - ካራ ወለቴን ኣውቶብስ ተራ - መሳለሚያ 18 ማዞሪያን ብዝተፋጠነ ኩነታት እናተሳለጠ ከም ዝኾነ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ከይዲ ስራሕ ፕሮጀክት መንገድታት ኣየር ጤና - ካራ ወለቴን ኣውቶብስ ተራ - መሳለሚያ 18 ማዞሪያን ተዓዚበን።
ፕሮጀክት መንገዲ ኣየር ጤና - ካራ ወለቴ ኣብ ቀፀልቲ ውሑዳት ኣዋርሕ ሙሉእ ብሙሉእ ተዛዚሙ ንኣገለግሎት ህዝቢ ክፉት ከም ዝኸውን እተን ከንቲባ ተዛሪበን።



ብተወሳኺ እውን ፕሮጀክት መንገዲ ኣውቶብስ ተራ - መሳለሚያ - 18 ማዞሪያ ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ታሕሳስ ተዛዚሙ ንኣገልግሎት ንክበቅዕ ብትኹረት እናተሰርሐ እዩ ኢለን።
ህንፀት ፕሮጀክት መንገዲ ኣውቶብስ ተራ - መሳለሚያ - 18 ማዞሪያ ንነዊሕ እዋን ዋላ ኳ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝተጓተተ እንተኾነ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ብዝተዋደደን ብቕልጡፍን ኩነታት እናተሳለጠ ከም ዝርከብ ኣረዲአን።
ብተወሳኺ እውን እተን ከንቲባ ከይዲ ስራሕ ፕሮጀክት መንገዲ ኣየር ጤና - ካራ ወለቴ ዝተዓዘባ እንትኸውን፤ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ስራሕ ከም ዝርከብ ምርግጋፀን ኣፍሊጠን።
ኣብ ዝቕፅሉ ውሑዳት ኣዋርሕ ከም ዝዛዘም እውን ገሊፀን።
ህንፀት እቶም ፕሮጀክትታት እንተዛዘም ኣብቲ ከባቢ ዝረአ ምጭንናቕ ትራፊክ ብዝለዓለ ብርኪ ከም ዝቕንስን ምንቅስቓስ ንግዲ እታ ከተማ ኣብ ምቅልጣፍ ዝለዓለ እጃም ከም ዝህልዎን ትፅቢት ይግበር ኢለን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም