ቤተ መፅሓፍቲ እመርታ ኣብ ሓደ ግዜ ንሓደ ሽሕ ሰባት ኣገልግሎት ምሃብ ዝኽእል እዩ-ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር - ኢዜአ ትግርኛ
ቤተ መፅሓፍቲ እመርታ ኣብ ሓደ ግዜ ንሓደ ሽሕ ሰባት ኣገልግሎት ምሃብ ዝኽእል እዩ-ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 30/2018 (ኢዜኣ) ካብ መሸጣ መፅሓፍቲ መደመር ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋን ብዝተረኸበ በጀት ዝተሃነፀ ቤተ መፅሓፍቲ እመርታ ኣብ ሓደ ግዜ ንሓደ ሽሕ ሰባት ኣገልግሎት ምሃብ ከም ዝኽእል ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ድሬዳዋ ንዝርከብ ቤተ መፅሓፍቲ እመርታ ጎብንዮም።
ነዚ ስዒቡ እውን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፁ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፤ እቲ ቤተ መፅሓፍቲ ኣብ ልዕሊ 1 ሽሕ ካሬ ሜትር መሬት ዝዓረፈ ከም ዝኾነ ሓቢሩ።
ዘበናዊ መሰረተ ልምዓት ንክህልዎ ተገይሩ ከም ዝተሃነፀ እውን ኣፍሊጡ።
ሰለስተ ደብሪ ዘለዎ እዚ ቤተ መፅሓፍቲ፤ እቲ ኣገልግሎት ንዝደልዩ ተስማዕማዒ ዝኾነ ኣየር ድሬዳዋ እናረኸቡ ኣገልግሎት ንክረኽቡ ቦታ ቴራስ ከም ዝተዳለወሉ ገሊፁ።
ብሓፈሻ ቤተ-መፅሓፍቲ እመርታ ብሓደ ግዘ ንሓደ ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ኣገልግሎት ምሃብ ዝኽእል እዩ።
ኣብ መደርደሪ መፅሓፍ ጥራሕ 1 ሚሊዮን መፅሓፍቲ ናይ ምሓዝ ዓቐሚ ከም ዘለዎ እውን እቲ ቤት ፅሕፈት ኣመልኪቱ።