ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ ብቋንቋ ትግርኛ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ትግራይ ተረባሒት ብልፅግና ኢትዮጵያ ንክትኸውን ፃውዒት ዘቕረብሉ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/የካቲት /27/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ ብቋንቋ ትግርኛ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ትግራይ ተረባሒት ብልፅግና ኢትዮጵያ ንክትኸውን ፃውዒት ዘቕረብሉ እዩ ክብሉ ኣባል ቤት ምኽርን ምክትል ሓላፊ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ፓርቲ ስምረት ጠዓመ ዓረዶም ገሊፆም።
ኣባል ቤት ምኽርን ምክትል ሓላፊ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ፓርቲ ስምረት ጠዓመ ዓረዶም ምስ ኢዜኣ ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ቃለ መሕትት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንሰላም፣ ልምዓት፣ ዕቤትን ብልፅግናን ኢትዮጵያ ፃውዒት ዝገበረ ስለዝኾነ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ብዘይካ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዝተቐበሎ ቃለ መሕትት እዩ ኔሩ ኢሎም።
እቲ ቃለ መሕትት ትግራይ ተረባሒት ብልፅግና ኢትዮጵያ ንክትኸውን ፃውዒት ዘቕረብሉ ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ህዝቢ ትግራይ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ንምንታይ ከም ዘይፍፀምን መን የዐንቅፍ ከም ዘሎን ከምኡ እውን ተመዛበልቲ ንምንታይ ከምዘይተመለሱ ካብ ቀዳማይ ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መብራህርሂ ይፅበ ከም ዝነበረ ብምግላፅ፤ ድሕሪ እቲ ቃለ መሕትት ድማ እቲ ቀንዲ ፀገም ናይቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ከም ዝኾነ ተረዲኡ እዩ ኢሎም።
እቲ ቃለ መሕትት፤ መንግሥቲ ኣብ ትግራይ ኲናት ናይ ምኽፋት ድሌት ከም ዘይብሉን ሕመቕን ሽርሕን እቲ ድሑር ጉጅለ ዘቃልዐ ከም ዝኾነን እውን ኣይተ ጠዓመ ኣረዲኦም።
እቲ ቃለ መሕትት ኣብ እዋኑ ዝቐረበን ንሰላምን ልምዓትን ፃውዒት ዝገበረን ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ መንግሥቲ ፌዴራል ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ተግባራዊ ኣብ ምግባር ዘለዎ ቆራፅነት ብግልፂ መልእኽቲ ዘመሓላለፍሉ ከም ዝኾነ ኣብሪሆም።
ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትግራይ ምስ ናይ ደገን ፀላእትን ሓይልታት ኮይንካ ሰላም ትግራይ ይኹን ሰላም ኢትዮጵያ ንምዝራግ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ንክውሰደሎም እናሓተተ ከም ዝርከብ ገሊፆም።
ኣብ ትግራይ ዘሎ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ምስ ናይ ደገ ሓይልታት ኮይኑ ኣንፃር ሰላም ብዙሕ ምንቅስቓስ እናገበረሉ ኣብ ዝርከበሉ እዋን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ግና ምእንተ ሰላም ተባሂሉ ብመንግሥቲ ፌዴራል ዘሎ ትዕግስቲ ህዝቢ ንክርድኦ ገይሮም እዮም ክብሉ እውን ኣረዲኦም።
ብሓፈሻ ድሌትን ሰላምን ልምዓትን መንግሥቲ ፌዴራል ከምኡ እውን እቲ ድሑር ጉጅለ ኣንፃር ሰላም ዝገብሮ ዘሎ እኩይ ምንቅስቓስ ብግልፂ ዘብራህረሀ መልእኽቲ ከም ዘሕለፉ ተዛሪቦም።
እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ብዘይ ኲናት ክነብር ዘይኽእል ጥሩፍ ጉጅለ ካብ ኩሉ ክፋል ማሕበረሰብ ኣገዲዱ ንኲናት ዝኸውን ሎጂስቲክስ እናዳለወ ከም ዝርከብ ብምሕባር፤ መንግሥቲ ፌዴራል ኣብዚ ጉዳይ ሕጋዊ ሓላፍነቱ ንክዋፃእ ሓቲቶም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ ብቋንቋ ትግርኛ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፤ ህዝቢ ትግራይ ንሰላምን ልምዓትን ከም ዝተቓለሰን ሰላምን ልምዓትን ከም ዝግበኦን ምግላፆም ዝዝከር እዩ።
ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ትግራይ ድማ ብብሉይ ኣተሓሳስባ ከም ዘይረጋገፅ ብምግላፅ፤ መንእሰይ ስልጣን ክሕዝ ከም ዘለዎን ፀገም ትግራይ እውን በዚ ከም ዝፍታሕን እዮም ገሊፆም እዮም።
ኣብ ትግራይ ዘሎ ጥሩፍ ጉጅለ ንስምምዕ ሰላም ፕሪቶቲያ ብምጥሓስ ምስ ጨና ልምዓት ዘይፈልጡ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ሓይልታት ወደኽ ደኽ እናበለ ከም ዝርከብ እውን ብተመሳሳሊ ምምልኻቶም ዝፍለጥ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም