መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ነፃ፣ዲሞክራሲያውን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈን ኮይኑ ንክካየድ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ነፃ፣ዲሞክራሲያውን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈን ኮይኑ ንክካየድ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 26/2018(ኢዜኣ) መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ነፃ፣ዲሞክራሲያውን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈን ኮይኑ ንክካየድ ኣዋጅ ካብ ምምሕያሽ ጀሚሩ ብርክት ዝበሉ ምችው ኩነታት ከም ዝተፈጠረ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።
“እመርታ ትካላት ዳይነትን ዲሞክራስን፤ ንዕዉት ህንፀት ሃገረ መንግሥቲ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ምውዳድ ትካላት ዳይነትን ዲሞክራስን ዝጠመተ ሃገራዊ መድረኽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።
ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ብብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዝተሳለጡ መሰረታዊ ስጉምትታት ለውጢ ስርዓት ዲሞክራሲ እታ ሃገር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋገሩ እዮም።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣዋጅ ምዝገባ ውድባት ፖለቲካን ስነ ምግባር መረፃን ብምምሕያሽ እቲ ቦርድ ብዘይ ዝኾነ ኢድ ኣታውነት ብነፃነት ንክሰርሕ ምችው ኩነታት ከም ዝፈጠረ ሓቢሮም።
መንግሥቲ ነቲ ትካል ብሓይሊ ሰብን ሎጂስቲክስን ንክጠናኸር ልዑል ኣስተዋፅኦ ከም ዝገበረ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ እቲ መረፃ ነፃ፣ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ኮይኑ ንክሳለጥ ምችው ኩነታት ከም ዝፈጠረ ተዛሪቦም።
መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረጻ ብዓወት ንክዛዘም መንግሥቲ ኣድላይ ደገፍ ከም ዝገብርን ብቆራፅነት እናሰርሐ ከም ዝርከብን ኣረጋጊፆም።
ኣካቢት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሜላትወርቅ ሃይሉ፤ እቲ ቦርድ ናብ ዲጂታል ኣሰራርሓ ዝገብሮ ዘሎ ስግግር ተኣማንነት እቲ መረፃ ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ ኢለን።
ምዝገባ ሕፁያት መረፃ ሙሉእ ብሙሉእ ብዲጂታል መንገዲ ከም ዝተሳለጠ ብምሕባር፤ ከይዲ እቲ መረፃ ዕዉት ንክኸውን ውድባት ፖለቲካ ኣብ እዋን ቅስቀሳ ምረፁኒ ደንብታት ስነ ምግባር መረፃ ኣኽቢሮም ክንቀሳቐሱ ከም ዝግባእ ኣረዲአን።