ህዝቢ ትግራይ ንጉጅለ ህወሓት ኣይግዛእን ብምባል እቲ ክልል ካብቲ ዝኣተዎ ዝተሓላለኸ ፀገም ከድሕኖ ይግባእ-ውድባት ፖለቲካ - ኢዜአ ትግርኛ
ህዝቢ ትግራይ ንጉጅለ ህወሓት ኣይግዛእን ብምባል እቲ ክልል ካብቲ ዝኣተዎ ዝተሓላለኸ ፀገም ከድሕኖ ይግባእ-ውድባት ፖለቲካ
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 26/2018 (ኢዜኣ) ህዝቢ ትግራይ ንጉጅለ ህወሓት ኣይግዛእን ብምባል እቲ ክልል ካብቲ ዝኣተዎ ዝተሓላለኸ ፀገም ከድሕኖ ከም ዝግባእ ውድባት ፖለቲካ ትግራይ ገሊፆም።
ዋና ፀሓፊ ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ(ትዴፓ) ሙሉ ብርሃን ሃይለ ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ክልል ዝርከብ ዘይሕጋዊ ጉጅለ እቲ ህዝቢ ተረባሒ ልምዓት ንከይኸውንን እቲ ሓፈሻዊ መረፃ ኣብቲ ክልል ንከይካየድን ፀገም እናፈጠረ እዩ ዝርከብ።
ሕገ መንግሥታዊ ስርዓት እታ ሃገር ንዘየኽብር ጉጅለ እዚ ዝኣክል ዕድል ምሃብ ግቡእ ከም ዘይኮነ ብምሕባር፤ እቲ ጉጅለ ነቲ ክልል ጥራሕ ዘይኮነስ ንልኣላዊነት ሃገር ሓደጋ እናፈጠረ እዩ ኢሎም።
ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ፓርቲ ስምረት ሓለፎም ንርአ ብግደኦም፤ ጉጅለ ህወሓት ህዝቢ ትግራይን እቲ ክልልን ተኻፋሊ ልምዓት ንከይኸውን ካብ ምግባር ብተወሳኺ ዘላቒ ሰላም ንከይህሉ ዕንቅፋት እናፈጠረ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
ኣብቲ ክልል ዝተፈጠሩ ፀገማት ንክፍትሑ፣ሕጊ ንክኽበርን ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ዜጋታት ተወከልቶም ንክመርፁን ዝምልከቶም ኣካላት ብትኹረት ክሰርሑ ከም ዝግባእ እውን ኣረዲኦም።
ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ መንግሥቲ ክኸውን ከም ዘለዎ ግንዛበ እናፈጠርና ኢና ዝበሉ ድማ ኣቦ መንበር ፓርቲ ትንሳኤ 70 እንደርታ ከበደ ኣሰፋ እዮም።
ህዝቢ ትግራይ ነቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ኣይግዛእን ብምባል እቲ ክልል ካብ ዝኣተዎ ዝተሓላለኸ ፀገም ከድሕኖን ከም ኩሉ ግዜ ልኣላዊነት ሃገር ኣብ ምኽባር እጃሙ ንክዋፃእን እቶም ኣመራርሓ ውድባት ፃውዒት ኣቕሪቦም።