ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ነፃ፣ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ኮይኑ ንክዛዘም ተሳትፎኦም ዘጠናኽርሉ ምችው ኩነታት ተፈጢሩ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ነፃ፣ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ኮይኑ ንክዛዘም ተሳትፎኦም ዘጠናኽርሉ ምችው ኩነታት ተፈጢሩ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 26/2018(ኢዜኣ) ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ነፃ፣ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ኮይኑ ንክዛዘም ተሳትፎኦም ዘጠናኽርሉ ምችው ኩነታት ከም ዝተፈጠረ በዓል መዚ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ገሊፁ።
ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ 24 ግንቦት 2018 ዓ/ም ከምዝካየድን ምዝገባ መረፅቲ እውን ካብ 28 ለካቲት 2018 ዓ/ም ጀሚሩ ከምዝካየድን ኣፍሊጡ።
ምክትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ፋሲካው ሞላ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ንዲሞክራሲያውነት እቲ ሓፈሻ መረጻ ተሳትፎ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ወሳኒ እዩ ኢሎም።
ኣብቲ መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣብ ተዓዛብነት፣ግንዛበ መረፅቲ ኣብ ምፍጣርን ካልኦት ተሳትፎታትን ዝህልዎም እጃም ንምጥንኻር ምስ መዳርግቲ ትካላት ተቐራሪቦም ንክሰርሑ እናተገበረ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።
ፍትሓውነትን ዲሞክራሲያውነትን እቲ መረፃ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ንቑሕ ተሳትፎ ከም ዝገብሩ እውን ገሊፆም።
ስለዝኾነ ድማ ኣብቲ ሓፈሻዊ መረፃ 45 ተዓዘብቲ፣169 ኣብ ዓውዲ ስልጠናን ትምህርትን መረፅቲ ዝሳተፉ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ካብ ብሄራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ፍቓድ ከም ዝተውሃቦም ኣፍሊጦም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ከይዲ እቲ መረፃ ብዝተፈላለየ መንገዲ ተወሳኺ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ክሳተፉ ከም ዝኽእሉ ኣረዲኦም።