መብራህርሂ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መንግሥቲ ፌዴራል ንዘላቒ ሰላም፣ልምዓትን ኩለ መዳያዊ ተረባሕነትን ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ፅኑዕ ቅዋም ብግልፂ ዘርኣየ እዩ-ፓርቲ ስምረት - ኢዜአ ትግርኛ
መብራህርሂ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መንግሥቲ ፌዴራል ንዘላቒ ሰላም፣ልምዓትን ኩለ መዳያዊ ተረባሕነትን ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ፅኑዕ ቅዋም ብግልፂ ዘርኣየ እዩ-ፓርቲ ስምረት
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 26/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይ ኣመልኪቶም ዝሃብዎ መብራህርሂ መንግሥቲ ፌዴራል ንዘላቒ ሰላም፣ልምዓትን ኩለ መዳያዊ ተረባሕነትን ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ፅኑዕ ቅዋም ብግልፂ ዘርኣየ ከም ዝኾነ ፓርቲ ስምረት ኣፍሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብቋንቋ ትግርኛ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ከም ዝበልዎ፤ ህዝቢ ትግራይ ኵናት ዘይኮነስ ሰላምን ልምዓትን እዩ ዝግበኦ።
መንግሥቲ ኣብ ክልል ትግራይ ሰላም ንክዓስልን ዳግማይ ኵናት ንከየጋጥምን ፅኑዕ ድሌት ከም ዘለዎን ነዚ ድማ ዝኾነ ዓይነት መስዋእቲ ከም ዝኸፍልን እውን ኣብራህሪሆም እዮም።
መናእሰይ ወነንቲ ስልጣን ንክኾኑን ብዝኣረገ ኣተሓሳስባ ናብ ኵናት ካብ ዝደፋፍእዎም ኣካላት ዓርሶም ንክሕልዉን ኣተሓሳሲቦም።
ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ እውን መንግሥቲ ኣገልግሎታት ባንኪ፣ቴሌኮም፣ሓይሊ ኤልክትሪክን ተመሳሰልቲ ኣገልግሎታትን ብቕልጡፍ ንክምለሱ ከም ዝገበረ ኣዘኻኺሮም።
ነዚ ስዒቡ ኣባል ቤት ምኽርን ምክትል ሓላፊ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ፓርቲ ስምረት ጠዓመ ዓረዶም ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ መብራህርሂ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ነባራውን እዋናውን ኩነታት ትግራይን እታ ሃገርን ብግልፂ ዘቐመጠ እዩ ኢሎም።
ንክልል ትግራይ ሰላም፣ልምዓት፣ዕቤትን ምርግጋዕን ወሳኒ ምዃኑ እውን መልእኽቲ ዝተመሓላለፈሉ ከም ዝነበረ ሓቢሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብቋንቋ ትግርኛ ዝሃብዎ መብራህርሂ ንህዝቢ ትግራይ ዘኽበረ፣ንሰላምን ምርግጋዕን ቀዳምነት ብምሃብ ግልፂ መልእኽቲ ዘመሓላለፈ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ነቲ ህዝቢ ዓብይ እፎይታ ዝህብን ንዘላቒ ኩለ መዳያዊ ዕቤት ወሳንን ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
ህዝቢ እቲ ክልል ከልዕሎ ንዝፀንሐ ሕቶ ሰላም፣ልምዓትን ዕቤትን ምላሽ ዝህብ እዩ ኢሎም።
ብተወሳኺ እውን ኣብ ክልል ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ንሽርሒ ፅንፈኛ ጉጅለ ሻዕብያ ኣብ ትኽክለኛ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ዘቃልዐ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።
እቲ ህዝቢ ትሕጃ ብምግባር ናይ ባዕሎም ሽርሕን እኩይ ተግባርን ንምፍጻም ንዝሰርሑ ዘለዉ ዘይሕጋዊ ጉጅለታት ዓብይ መልእኽቲ ዝተመሓላለፈሉ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ነቲ ህዝቢ እንትበሃል መንግሥቲ ዘርኣዮ ትዕግስቲ ልዑል ከም ዝኾነ ዘመላኸተ እዩ ኢሎም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን መንእሰይ ትግራይ ምስቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ናይ ምስላፍ ድሌት ከምዘይብሉ ዝገለፁ ኣይተ ጠዓመ፤ እቲ መንእሰይ ንዝኣረገ ኣተሓሳስባ ዓርሱ ኣሕሊፉ ምሃብ ከምዘይደሊ ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ እውን ኣብቲ ክልል ሰራሕተኛታት መንግሥቲ ብዘይ ድሌቶም ካብ ደሞዞም ገንዘብ እናተቖፀ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ነቲ ህዝቢ ተስፋ ብምቑራፅ እቲ ክልል ናብ ኵናት ንምእታው ንዝግበር ፃዕሪ መርኣያ እዩ ኢሎም።
ካብ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ሓራ ንምውፃእ ድሌት ንዘለዎ ህዝቢ ትግራይ መብራህርሂ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ተስፋ ዝህብን ገፁ ናብ ልምዓትን ብልፅግናን ንክገብር ዕድል ዝፈጥርን ከም ዝኾነ እውን ገሊፆም።