ኢትዮጵያ ዝሃንፃን ዘፅንዓን ድሙር ድሌትን ሓሳብን ኢትዮጵያውያን እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ዝሃንፃን ዘፅንዓን ድሙር ድሌትን ሓሳብን ኢትዮጵያውያን እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 25/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ዝሃንፃን ዘፅንዓን ድሙር ድሌትን ሓሳብን ኢትዮጵያውያን ከም ዝኾነ ሓላፊ ዘፈር ህንፀት ባህሊ ዲሞክራሲ ፓርቲ ብልፅግና መለሰ ኣለሙ ገሊፆም።
ሓላፊ ዘፈር ህንፀት ባህሊ ዲሞክራሲ ፓርቲ ብልፅግና መለሰ ኣለሙ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ እቲ ፓርቲ ንሃገራዊ ምርድዳእ ኣብ ሃገራዊ ምኽክር ዝገብሮ ኣወንታዊ ተሳትፎ ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅለሉ ሓቢሮም።
ፓርቲ ብልፅግና ምኽክር ንኢትዮጵያ ጠንካራ ሃገር ከም ዝገብራ ፅኑዕ እምነት ኣለዎ ኢሎም።
ሃገራዊ ምኽክር ንዘበናት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝተፈጠሩ ዘይምርድዳኣት ንምፍታሕ ወሳኒ ከም ዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ዝሃንፃን ዘፅንዓን ድሙር ድሌትን ሓሳብን ኢትዮጵያውያን እዩ ዝበሉ ኣይተ መለሰ፤ እቲ ፓርቲ ምኽክር ናይ ሓደ ወገን ስራሕ ገይሩ ከም ዘይሪኦ ኣረዲኦም።
እቲ ምኽክር ሓባራዊ ጉዳይ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ምዃኑ ብምእማን እቲ ፓርቲ ኣብ ዘተታት እናተሳተፈን ንህንፀት ሃገረ መንግሥቲ ይጠቕሙ እዮም ዝበሎምን ኣጀንዳታት እናቕረበን ከም ዝርከብ ገሊፆም።
ከይዲ እቲ ምኽክር ን8 ኣዋርሕ ምንውሑ እውን እቲ ኮሚሽን ስርሑ ብኣግባቡን ብፅሬትን ንክዛዝም ዕድል ከም ዝፈጥር ፀሪሖም።
ፓርቲ ብልፅግና እውን ኣብ ቀፃሊ ስራሕቲ እቲ ኮሚሽን ኣወንታዊ ተሳትፍኡ ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅለሉ ኣረጋጊፆም።