ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ትግራይ ብብሉይ ኣተሓሳስባ ኣይረጋገፅን-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ትግራይ ብብሉይ ኣተሓሳስባ ኣይረጋገፅን-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 25/ 2018 (ኢዜኣ) ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ትግራይ ብብሉይ ኣተሓሳስባ ኣይረጋገፅን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተዛሪቦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ኢዜኣ ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝበልዎ፤ ትግራይ ክትመሃርን ተሞኩሮ ክትወስድን ዘለዋ ካብ ዝሓሹ እምበር ካብ ዘነኣእስዋን ዝወረዱን ክኸውን የብሉን።
ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ልምዓትን ከም ዝግበአን ሰላምን ልምዓትን ከም ዝፈትዉን ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ብብሉይ ኣተሓሳስባ ክረጋገፅ ኣይኽእልን ክብሉ ሓቢሮም።
ህዝቢ ትግራይ ንሰላምን ልምዓትን ተቓሊሱ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ስለ ዝኾነ ድማ ኵናት ኣይግበኦን ዝብል ፅኑዕ እምነት እዩ ዘለኒ ኢሎም።
ኣብ ኣጋ እርጋን ዝርጋን ከም ዝበሃል ኣብ እዋን እርጋኖም ኵናት ዘልዕሉ ወለዲ ግደፉ ስልጣን ይኣኽለኩም ናብ ደቅኹም ኣረክቡ ክበሃሉ ኣለዎም ክብሉ እውን ገሊፆም።
ትግራይ ዕርፍቲ ትደሊ እያ፣ሰላምን ልምዓትን እያ ትደሊ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ድሌት ህዝብና ንምድጋፍ ድማ ድሉዋት ኢና ኢሎም።
ኣብ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ ዝመፅእ ዘሎ ልምዓት ንትግራይ ክልል እውን ከም ዝግበኦ ኣረዲኦም።
ህዝብና እውን ምስ ደለይቲ ሰላምን ዝተምሃሩ ደቁን ኮይኑ ሓቢርና ንሰላምን ልምዓትን ክልል ትግራይ ንስራሕ ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።