ህወሓት ናብ መሬት ክወርድ ዘይክእል ብብሉይ ክልስ ሓሳብ ዝተኣሰረ ውድብ እዩ- ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ህወሓት ናብ መሬት ክወርድ ዘይክእል ብብሉይ ክልስ ሓሳብ ዝተኣሰረ ውድብ እዩ- ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/25/ 2018 (ኢዜኣ) ህወሓት ናብ መሬት ክወርድ ዘይኽእል ብብሉይ ክልስ ሓሳብ ዝተኣሰረ ውድብ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ኢዜኣ ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ከም ዝበልዎ፤ ህወሓት ናብ መሬት ክወርድ ዘይኽእል ብብሉይ ክልስ ሓሳብ ዝተኣሰረ ውድብ እዩ።
እዙይ ድማ ባህርያት ጥዕና ዘለዎ ፓለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሓዱሽ ነገር ዝሰምዕ እዝኒ የብሉን፤ ዝርእይ ዓይኒ እውን የብሉን ንክርኢ እውን ድሉው ኣይኮነን ክብሉ ተዛሪቦም፡፡
ሓዱሽ ነገር ንምስማዕ ድሉው ዘይኮነ ውድብ ንህዝቡ ፅቡቕ ነገር ክሰርሕ እዩ ተባሂሉ ምሕሳብ ኣፀጋሚ እዩ ፡፡
እንርከበሉ ዘመን ናይ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀስን ሮቦቲክስን ዘመን ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ብብርኪ ፍልስፍና እውን እንተኾነ እዋኑ ዝጠልቦ ቀዳማይ ረብሓ እንበር ቀዳሚ ክልስ ሓሳብ ኣይኮነን ክብሉ ሓቢሮም፡፡
ሓሳብ ብረብሕኡ እንበር ብሓሳብነቱ ኣይኮነን ክምዘን ከም ዘይብሉ ብምሕባር፤ ውድብ ህወሓት ምስ ዝሞተ ሓሳብን ንህዝቢ ዘይረብሕ ሓሳብን ከም ቁርዲድ ተጣቢቑ ተሪፉ እዩ ኢሎም፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ ህወሓት ናብ ዘይድለ ኵናት ኣቲና ብዙሕ ዘይድለ ዋጋ ከፊልና ኢና ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘይውዓሎ ከቢድ ዋጋ ክኸፍል ኣገዲድዎ እዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡
ነቲ እዋን ንምሰል ዝበለ ከም ቀንዲ ፀላኢ ገይሩ ከጥፍኦ ሃቂኒ ተላዒሉ ነይሩ፤ ግን ከምዘይዋፅኦ ምስ ፈለጠ ድማ ኩናትን ጥፍኣትን መሪፁ ናብ ዘይደለናዮ ኵናት አእትዩ ዋጋ ኣኽፊሉና እዩ ኢሎም፡፡
ኣፈላላይ ተፈጥሮኣዊ እዩ ክህልው ይኽአል እዩ ግን ድማ ኣፈላላያት ብጎንፅን ኵናትን ንምፍታሕ ኣየዋፅእን ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ንኢትዮጵያ ውግእ ዝብሃል ነገር ዘዋፅእ ከምዘይኮነ ብምግላፅ፤ ንሃገርና ናብ ዕንክሊል ንክትኣትው ዝገብር ብምዃኑ እዙይ ንምስባር ሓላፍነት ክንወስድ ኣለና ኢሎም፡፡