ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ ምርግጋፅ ዘኽእሉ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ ምርግጋፅ ዘኽእሉ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 24/2018(ኢዜኣ) መንግሥቲ ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ ምርግጋፅ ዘኽእሉ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከም ዘሳለጠ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ገሊፆም።
ሚኒስቴር ሰላም ምስ ኣወዳድባታት ደቂ ኣንስትዮ ብምትሕብባር “ብተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝፀንዐትን ዝማዕበለትን ኢትዮጵያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሃገራዊ መርሃ ግብሪ ጎስጓስ የካይድ ኣሎ።
ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብዚ እዋን፤ መንግሥቲ ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ኢትዮጵያ ብተግባር ዝረጋገፅ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ስራሕቲ ደቂ ኣንስትዮ ማእኸል ምግባር እንትከኣል እዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ሓቢሮም።
መንግሥቲ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ስምብራታት ደቂ ኣንስትዮ ብምፅጋን ኩለ መዳያዊ ተረባሕነተን ምርግጋፅ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናሰርሐ ከም ዝርከብ ተዛሪቦም።
ፖለቲካዊ ተሳትፎን ውክልናን ደቂ ኣንስትዮ እቲ ሓደ ስምብራት ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣወሃህባ መሪሕነት ደቂ ኣንስትዮ ንፅንዓት ህንፀት ሃገርን ዘላቒ ብሄራዊ ምርድዳእን ጠንካራ መሰረት ዘንብር ከም ዝኾነ ብምርዳእ እናተሰርሐ እዩ ኢሎም።
ስምብራት ኢኮኖሚ ንምፅጋን ደቂ ኣንስትዮ ዋልታ ኢኮኖምን ሞተር መፍረያይነትን ንክኾና ምግባር ኣድላይ ከም ዝኾነ ብምእማን ብዝተሰርሐ ስራሕ ልዕሊ 6 ነጥቢ 6 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ መረጋገፂ ዋንነት መሬት ከም ዝረኸባ ኣረዲኦም።
ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ልምዓት ደቂ ኣንስትዮ ግንባር ቀደም ተጠቃሚ ንክኾና ከም ዝተገበረ ዝገለፁ ኣይተ ኣደም ፋራህ፤ እዚ ድማ ደቂ ኣንስትዮ መሰረት ሃገራዊ መፍረያይነት ንክኾና ከም ዘኽኣለ ገሊፆም።
ኣብ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝነበረ ስምብራት ንምፅጋን ብዝተሰርሐ ስራሕ እውን ማዕርነትን ማሕበራዊ ፍትሕን ምርግጋፅ ዘኽእሉ ስራሕቲ ከም ዝተሳለጡ ተዛሪቦም።
መንግሥቲ ህንፀት ምዕቡል ዲሞክራስን ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮን ንምርግጋፅ ዘሳልጦም ዘለዉ ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅለሉ እውን ኣረጋጊፆም።