ኢትዮጵያን ኣዘርባጃንን ኣብ ሰብ ስራሕ ብልሒ (ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ) ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ቆራፃት እየን-ወርቁ ጋቸና(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያን ኣዘርባጃንን ኣብ ሰብ ስራሕ ብልሒ (ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ) ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ቆራፃት እየን-ወርቁ ጋቸና(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 21/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ኣዘርባጃንን ኣብ ሰብ ስራሕ ብልሒ (ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ) ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻርን ልውውጥ ልምዲ ንምግባርን ጠንካራ ድሌት ከም ዘለወን ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ወርቁ ጋቸና(ዶ/ር) ገሊፆም።
ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ወርቁ ጋቸና(ዶ/ር) ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዘርባጃን ዝገበሮ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣመልኪቶም መብራህርሂ ሂቦም።
ኣብ መብራህሪህኦም እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ጉጅለ ልኡኾምን ንኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኣዘርባጃን ከም ዝተዓዘቡ ሓቢሮም።
እቲ ኣካዳሚ ኣብ ውሽጢ 1 ዓመትን 6 ኣዋርሕን ዓውዲ ትምህርቲ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ተበፃሕነት ሰብ ስራሕ ብልሒ ኣብ ምስፋሕ ውፅኢታዊ ስራሕ ከም ዘሳለጠ ካብቲ ዑደር ምርዳእ ከም ዝተኽኣለ ተዛሪቦም።
ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ቅድሚ 6 ዓመታት ከም ዝተጣየሸን ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናሳለጠ ከም ዝርከብን ኣረዲኦም።
ኣብ እዋን እቲ ዑደት ኣብ ምርምርን ልውውጥ ዳታን ብምትሕብባር ንምስራሕ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ እውን ኣብሪሆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ጉጅለ ልኡኾምን ንማእኸል ፈጠራ ኤጀንሲ መንግስቲ ኣገልግሎት ህዝብን ማሕበራዊ ፈጠራን ኣዘርባጃን(ASAN) ጎብንዮም።
ኣሳን ዝህቦ ኣገልግሎት ምስ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ተመሳሳልነት ዘለዎ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ብፍላይ ድማ ኣወሃህባ ኣገልግሎቱ ብሰብ ስራሕ ብልሒ ዝተደገፈ ምዃኑ ተሞኩሮ ዝውሰደሉ እዩ ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል ብሰብ ስራሕ ብልሒ ንክድገፍን ፅሬቱ ንክዓብን ኣብ ቀፃሊ ብትኹረት ከም ዝስራሕ እውን ገሊፆም።
መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘተኦም ኣብ ሰብ ስራሕ ብልሕን ዲጂታል ቴክኖሎጂን ብምትሕብባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕ ከም ዝበፅሑ ፀሪሖም።
ብሓፈሻ እቲ ዑደት ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ትግበራ ንዝኣተወ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030ን ንስራሕቲ እቲ ዓውድን ሓጋዚ ዓቕሚ ከም ዝኸውን ተዛሪቦም።